ትማሊ ዓርቢ ሓደ ወዲ 60 ዓመት ሰብኣይ ኣብ ገዝኡ እንከሎ ብዝወረዶ ማህሰይቲ ብኣምቡላንስ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስደ ተፈሊጡ።
ሚድ ሳመር ሰዓት 8 ድ.ቐ. ይኸውን ደውል ናይ ማዕጻ (ካምፓኔላ) ጭር ኢሉ ማዕጾ ድሕሪ ምክፋቱ ሓደ በቲ ግዳይ ዝኾነ ሰብኣይ መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰብ ኣብቲ ኣፍደገ ደው ኢሉ ጸንሖ፡ ብድሕሪኡ ናብ ውሽጢ ገዛ ንኽኣቱ ፈቲኑ እቲ ግዳይ ስለ ዝኸልከሎ ናብቶም ኣብቲ ገዛ ዝጸንሑ ደቂ እቲ ግዳይ ጺቕ ኢሉ ነቲ ሰብኣይ ሃሪሙ ከምዝኸደ መርማሪ ፖሊስ ሉለ (Luleå) ዝኾነ ፍረድሪክ ሰልበሪ ሓቢሩ።
ፖሊስ ሰሜናዊ ኣከባቢ፡ ነቲ ገበነኛ ንምርካብ ምጽራይ ከምዝጀመረን ሓበሬታ ካብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰባት ይእክብ ምህላዉን ተፈሊጡ።
እቲ ግዳይ ኣብ ከባቢ ኣፍንጭኡን መንጋግኡን ከቢድ ማህሰይቲ ወሪድዎ ኣሎ። ብተወሳኺ ድማ ገለ ካብ ኣስናኑ ረጊፉ ምህላዉ ፖሊስ ሉለ ን TT ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።
እቲ ፍጻሜ ከም “ፍጻሜ ከቢድ በደል” ተባሂሉ ብፖሊስ ተታሒዙ ምህላዉ ድማ ሓቢሩ።