ሓደ ወናኒ ናይ ሓደ ካብ ሱንድስቫል ውጽእ ኢልካ ዝርከብ ህንጻ፡ ዘይልሙድ ገበን ፈጺሙ ኣብ ፍርዲ ከምዝቐረበ P4 Västernorrland ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እቲ ሰብኣይ ዝፈጸሞ ገበን፡ ካብ ዓንዲ ናይ ኤሌክትሪክ፡ መስመር ኤሌክትሪክ ናብቲ ህንጻ ምስሓቡ እዩ ነይሩ ክብል P4 ገሊጹ። እቲ ሰብኣይ፡ ብኽልተ ገበናት ተኸሲሱ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ ከምዘሎ፡ ብምውሳኽ ሓቢሩ።
እቲ ቀዳማይ ገበን፡ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ክሳብ 13 የካቲት 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኮነ ኢሉ ካብ ዓንዲ ናይ ኤሌክትሪክ፡ መስመር ኤሌክትሪክ ምስራቑ ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ተመሳሳሊ ገበን ድማ ካብ 17 የካቲት 2020 ክሳብ 28 ግንቦት 2020 ዝፈጸሞ እዩ።
መቕጻዕቲ ናይቲ ዝተፈጸመ ገበን፡ ንሓደ ዓመት ማእሰርቲ ወይ ድማ ናይ ካሕሳ ክፍሊት ክኸውን እዩ። እቲ ገበን፡ ረዚን ኮይኑ እንተድኣ ተረኺቡ፡ እቲ ዝብየን መቕጻዕቲ፡ እንተወሓደ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ እንተ በዝሐ ድማ ክሳብ ኣርባዕተ ዓመታት ክበጽሕ እዩ።