ሓደ ጡረታ ዝወጸ መምህር መባእታ ቤት ትምህርቲ: ኣብ 70ታት ዝደረሶ መጽሓፍ ጽውጽዋይ ድሕሪ 46 ዓመታት ናብ ሕትመት ከም ዝበጽሐ ተገሊጹ።
ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ኩምካርን: ንኣስታት 50 ዓመታት ዝመሃረ: ኪዝ: ነዚ ኣመልኪቱ “ኲሉ ናይ ባዕለይ ናይ ፈጠራ ዛንታታት እዩ: ኣብ ምውዳእ ክላስ ከኣ እየ ንተመሃሮይ ዝነግሮም ኔረ” ኢሉ።
“እቲ ዝገርመኒ: ማዕረቲ ተመሃሮይ ነቶም ዛንታታት ንምስማዕ ዝነበሮም ባህጊ ኣነ’ውን ባዕለይ ደሪሰዮም ክንሰይ ባህ ዝብሉኒ ምንባሮም እዩ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ሓደ ቅድሚ 45 ተማሃራይ ኪዝ ዝነበረ ሰብኣይ ብወገኑ: ነቶም ዛንታታት ብትዝታ ከም ዘፍቅሮምን ሕጅስ ተሓቲሞም ይኾኑ እዮም ብዝብል ተስፋ ኣብ ኦንላይን እኳ እንተፈተሸ ክረኽቦም ከም ዘይከኣለ ገሊጹ።
ሕጂ ግና እዞም ዛንታታት ቆልዑ ንኽሕጎሱሎም ብመጽሓፍ መልክዕ ተሓቲሞም ምህላዎም ባህ ከም ዝበሎ ገሊጹ።