ኣብቲ ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ኩባንያ መፍረ ክታበት ተባሂሉ ዝእመነሉ ኣብ ሃገረ ህንዲ ዝርከብ፡ ኮሌጅ ሰሩም (Serum Institute): ሓደጋ ባርዕ ብምኽሳቱ፡ ሓሙሽተ ሰባት ሂወቶም ከምዝሰኣኑ ተፈሊጡ።
መፍረ ክታበት፡ ኮሌጅ ሰሩም፡ ክታበት ኮሮና ናይ እንግሊዛዊ ሽወደናዊ ኩባንያ ኣስትራ ዚኒካ፡ ዘፍሪ ዘሎ እዩ። መፍረ ክታበት ኮሮና፡ በዚ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ፡ ከምዘይተጸልወ ናይቲ ቦታ መርበብ ሓበሬታታት ከምዘቃለሓ መርበብ ሓበሬታ ተተ፡ ሎሚ ሓሙስ፡ ገሊጹ።
መበገሲ ናይቲ ባርዕ፡ ካብ ሓደ ክፍሊ ናይቲ ኮሌጅ ምዃኑ እኳ እንተተፈልጥ፡ መስረታዊ ጠንቂ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን ዘሎ።