በዚ ኣብ መላእ ሽወደን ተኸሲቱ ዘሎ ስጋብ 25 ድ.ሴ ዝዓቀኑ ሙቐት፣ ኣብ ደቡባውን ማእከላይ ክፋል እዛ ሃገር ተክእሎ ባርዕ ጫካ ኣዝዩ ልዑል ስለዝኾነ ዝኮነ ሰብ ዝያዳ ጥንቓቐ ክገብር በዓል መዚ ሜትሮሎጂ እዛ ሃገር የተሓሳስብ።
እዚ በዓልመዚ ብምውሳኽ ኣብ ከባቢታት ያምትላንድ ( Jämtland), ዳላርና (Dalarna), ቫርምላንድ (Värmland), ቬስትራ ጎትላንድ (Västra Götaland), ካልማር (Kalmar), ኦስተርጎትላንድ (Östergötland) och Gotland ከምእውን ኣብ ስቶኮልም (Stockholm) ክክሰት ዘሎዎ ትኽእሎ ኣዝዮ ልዑል ብሙኻኑ ይሕበር።
በዚ መሰረት ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ካብ ሎሚ ሓሙስ ፍርቂ መዓልቲ 12.00 ጀሚሩ ስጋብ ኣብ ጫካታት ኮነ ካብ ገዛኻ ወጺካ ዝግበር ሓዊ ምእጛድ ወይ ግሪል ክልኩል ሙኻኑ ተሓቢሩ።
ንተውስኪ ሓበሬታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ድሕሪ ገጽ ወይ ወብሳይት ኣቲኹም ናይ ትነብሩሉ ኮሚን ዝሰፈሮ ድንጋገታት ክትውከሱ ትኽእሉ