መንግስቲ ሽወደን፡ ነጻ ኣብያተ ትምህርቲ ፡ ብውልቂ ዝመሓደራ ከምኡ’ውን ብህዝባዊ ምወላ ዝሰርሓ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ኣብ ገለ
ኣጋጣሚታት መኽሰብ ከይረኽባ ክኽልከላ ኣለወን ዶ ንዝብል ሕቶ ክምርምር ምዃኑ ሚኒስተር ሊበራላዊ ትምህርቲ ኤዳ
ሆልምስ ብቕድሚ ትማል ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ። በዚ ድማ ሓደስቲ ዝተኸፍታ፡ ዋንነተን ናብ ካልእ እተመሓለለፈ
ኣብያተ ትምህርቲ ፡ ወይ ድማ ደረጃታት ንምዕባይ ተወሳኺ ህዝባዊ ምወላ ዝረኸባ ኣብያተ ትምህርቲ ንመኽሰብ ክሰርሓ
ኣይግብአንን እዩ ክትብል ሆልምስ ገሊጻ’ላ። እዚ ጒዳይ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣርእስቲ ኮይኑ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።
እዚ መርመራ መንግስቲ ክሳብ 2025 ክዛዘም እዩ ዝብል ትጽቢት ተጌሩ’ሎ።