ወደባዊት ከተማ ዩክሬን ኬርሶን ሓይልታት ሩስያ ካብ ዝሕዙዋ ልዕሊ ክልተ ሰሙን ኮይኑዋ ኣሎ።
ኣብ’ዛ ከተማ ዝርከቡ ኣስታት 100 ኣፍሪቃውያን ተመሃሮ ድማ ካብታ ከተማ ንምውጻእ ሓገዝ ንክግበረሎም ይምሕጸኑ ኣለው።
ንመዓልታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝተሃነጹ መጽንሒ ቦታታት ተሓቢኦም ዝጸንሑ ኮይኖም፡ እዚኦም እንትርፎ ዛሕሊ መውዓዪ ወይ ሙቐት ዘይብሎምን መድሃኒት ብቐረባ ንምርካብ ኣጸጋሚ ዝኾኑን እዮም።
ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ተመሃሮ ይንገላትዑ ምህላዎም’ዮም ዝገልጹ። ሓደ ንቢቢሲ ቃሉ ዝሃበ ተመሃራይ ክሳብ ሕጂ ኣዝዩ “ዘሰንብድ” ድምጺ ተኹሲ ከም ዝስምዖም ተዛሪቡ።
ድምጺ ቦንባን ወተሃደራዊ ነፈርትን እውን ይርብሾም ኣሎ።
እቶም ተመሃሮ ዝሰምዑዎ ድምጺ ሓይልታት ሩስያ ንከባቢታት ደቡብ ምዕራብ ዩክሬን ንምቁጽጻር ዝገብሩዎ ውግእ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ምስፋሕ ሩስያ ዝቃወሙ ሰባት ድማ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ሩስያ ይትኩሱ ኣለው።
መንግስቲ ናይጄሪያ ግዜ ከይወሰደ ካብታ ሃገር ንከውጽኦም ናይጄሪያውያን ተመሃሮ ይሓቱ ኣለው።
BBC TIGRINJA