ብሩስያ ዝምራሕ ODKB ዝባሃል ወታሃደራዊ ክንፊ፡ ሎሚ መዓልቲ፡ እቲ ኣብ ሃገረ ካዛኪስታን ዝነበረ ናዕቢ ብወታሃደራዊ ስርሒት ድሕሪ ምእላይ ዕማሙ ወዲኡ ናብ ሩስያ ክምለስ ይሻባሸብ ከምዘሎ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
“ዕማምና ኣሳሊጥና ወዲእና’ለና” ክብል ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ሓቢሩ።
እቲ ናይዚ ዞባ ናይ ጸጥታ ምሕዝነት፡ ዕማሙ ወዲኡ፡ ኣጽዋራቱ ናብ ሩስያ ክትመልስ ተዳልያ ናብ ዘላ ነፋሪት ኣብ ምጽዓን ይርከብ” ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ናይ ሩስያ ብሓሙስ ንጉሆ ካብ ሞስኮ ኣፍሊጡ።
ናይ ሩስያ ሚኒስተር ምክልኻል ዝኾነ፡ ሰርጌ ሻውጉ፡ ንፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከምዝሓበሮ፡ እቲ ናብ ሩስያ ናይ ምምላስ ዝግበር ምድላዋት ናት ጉዕዞ ሮቡዕ ከምዝጠናቐቕ ገሊጹ።
“ናብ ሃገርና ክንምለስ ኣለና። ዕማምና ኣሳኺዕና ኢና” ክብል ፑቲን ኣብቲ ምስ ሾይጉ ኣብ ዝነበረ ኣኼባ ሓቢሩ።
እዞም ሓይልታት ናይ ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ናብ ካዛኪስታን ዘምርሑ ብሽም ዓቃቢያን ሰላም ተባሂሎም ከምዝኾነ ዝዝከር’ዩ። ሕዝባዊ ተቓውሞታት ካብ ሓድሽ ዓመት ጀሚሮም ነታ ሃገር ከምዘናወጽዋ ዝዝከር’ዩ። እቲ ናዕቢ ዝተላዕለ እቲ ብመንግስቲ ሓለዋን ደገፍን እንዳተገብረሉ ኣብ ስራሕ ውዒሉ ዝነበረ ዋጋታት ናይ ነዳዲ ድሕሪ ምልዓሉ ከምዝኾነ ተፈሊጡ ኣሎ። ድሕሪ’ዚ ግና እቲ ተቓውሞታት ኣንጻር እቲ ናይቲ ሃገር ምሕደራ ከምዘቅነዐ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።
ክልቲኦም መራሕቲ ናይ ሩስያን ካዛኪስታንን ነቲ ዝተላዕለ ተቓውሞ፡ ሰውራዊ ለውጢ ከምጹ ብዝደልዩ ብግዳማዊ ሓልይታት ብዝምወሉ “ዓለምለኻዊ ገበርቲ-ራዕዲ” ኣቢሉ ከምዝተበገሰ እዮም ዝገልጹ።
ካዛኪስታን እታ ካብ ዓለም ዝዓበየትን ኣዝያ ኣገዳሲትን ዝኾነት ንኑክሌሳዊ ሓይሊ ዘገልግል ዩራኒየም ዝባሃል ማዕድን እተፍርይ ሃገር እያ። ይኹን እምበር በዚ ተፈጢሩ ዝነበረ ዕግርግራት ኣብ ፍርያት ናይቲ ማዕድን ዝኾነ ይኩን ጸገም ከምዘይበጽሐ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።