ሓኻይም ብዘይ ዶባት፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት ነቲ ሒዛቶ ዘላ ናይ ስደተኛታት ፖሊሲ ብሱሩ ክትግምግሞ ሓቢራ። ዝሓለፈ ዓርቢ ሕዳር 22-2019 ናይ IOS ፕረሲደንት ክሪስቶን ክሪስቱ ሽሕኳ ብዛዕባ ስደተኛታት ዚምልከት ምስ ቱርኪ ናይ 4 ዓመት ውዕል እንተ ተገብረ እቶም ሕጂ ኣብ ግሪኻውያን ደሴታት ዚቕመጡ ዘለዉ 35 000 ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት እዮም ዚርከቡ ዘለዉ ይብል። እቲ ኣብ መንጎ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ቱርንክ ብ2016 እተግብረ ንዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዚምልከት ውዕል ፈሪሱ እዩ፡ ይብል እቲ ውድብ።
እቲ ኣብ ደሴታት ለስቦስን ኪዮስን ዘሎ ናይ ስደተኛታት ኩነታት ካብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ እዩ። እቲ ን 6200 ተባሂሉ እተሰርሐ መዕቆቢ፡ ሽድሽተ ዕጽፊ ሰባት ሒዙ እሎ። ክሪስቱ፡ እቲ ኣብ ደሴታት ኣጀያ ዘሎ ናይ ስደተኛታት መዕቆቢ ብቕልጡፍ ይተዓጾ፡ እቶም ዑቕበኛታት ድማ ናብ ውሽጢ ሃገር ኤውሮጳ ይግዓዙ በሃሊ እዩ። ናይ ስቓይ ግዳያት፡ ናይ ኣእምሮ ሕማም ተሓከምቲ፡ በይኖም ዚመጽኡ ህጻናትን ካልኦትን ኣብ ፕላስቲካዊ ናሕሲ ዘለዎ መንበሪ እዮም ዚቕመጡ ዘለዉ፡ ይብል ክሪስቶ፡ ኣብ ክንዲ እናረሃዎምም ዚኸዱ ድማ ኩነታቶም እናበኣሰ እዩ ዚኸይድ ዘሎ ብምባል ድማ ይሕብር።