ኣብ ሎቨን፡ ከባቢ ሊድሾፒን ቬስተርዮትላንድ፡ ትርከብ ፋብሪካ ሞኤልቨን ሊስት፡ ሰለስተ ካብ ስራሕተኛታታ ብኮሮና ቫይረስ ከምተለኽፉ ምስ ፈለጠት ንዝተረፉ 60 ሰራሕተኛታት ምሉእ ደሞዝ እናኸፈለት ናብ ኣባይቶም ከይዶም ንኽውሸቡ ከምዝሰደደቶምን ፍርያታ ኣቋሪጻ ከም ዝዓጸወትን ተፈሊጡ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፈ ሰራሕተኛ ከምዝተረኽበ እኹል ዝኾነ ናይ ምንጻህን መከላኸሊን ስጉምታት ከም ተወስደ ዝፍለጥ እኳ እንተነበረ፡ ስዒቡ ግን፡ ክልተ ኣብ ጥቕኡ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ብቫይረስ ኮሮና ምልካፎም ተፈሊጡ። ብድሕሪ’ዚ፡ ፋብሪካ ናይ ምዕጻው ውሳኔ ዝቐለለ ኮይኑ ክብል ዋና ፈጻሚ ስራሕ ሞኤልቨን ሊስት፡ ማግኖስ ኢንቨስ፡ ን GT ሓቢሩ።
እቶም ሰለስተ ሕሙማት፡ መንእሰያት ብምዃኖም፡ ዝኾነ ዓይነት ሕክምናዊ ምክትታል ከምዘየድልዮም ተሓቢሩ።
እቶም ምልክታት ሕማም ዘይብሎም ሰራሕተኛታት፡ ኣብ መፋርቕ ናይ ዝቕጽል ሰሙን ናብ ቦታ ስርሖም ክምለሱ ትጽቢት ከምዘሎ፡ እታ ፋብሪካ፡ ገሊጻ።