እስከ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናትን ዓመታትን ንገለ ካብቶም ኣብ መዓልቲ ልደት ዘጋጠሙ ወይ እተፈጸሙ ነገራት ሓቢርና ንርኣዮም፥
ፈላምን ወግዓውን በዓል ልደት
ብ 336 ዓ.ም፡ በዓል ልደት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ህዝበ ክርስትያን ብወግዒ ተባዒሉ። እዚ ድማ ሃጸይ ቆስታንቲኖስ ንክርስትና ከም ሃገራዊ ሃይማኖት ገይሩ ምስ ኣወጆ ኢዩ ተፈጺሙ። ክሳዕ ሽዑ ግን ካብ ልደት ንላዕሊ፡ ጥምቀት ኢዩ ዝያዳ ኣገዳስነት ዝነበሮ።
ኣብ ሃገር እንግሊዝ፡ እንግሊዛዊ ዘይኮነ ወራሪ ይነግስ
ብ1066 ዊልያም እተባህለ ኖርማዊ (ኖርቨጃዊ-ፈረንሳዊ) ወራሪ፡ ንሃሮልድ ንጉስ እንግሊዝ ቀቲሉ፡ ንዓዲ እንግሊዝ ኣንበርኪኹ ኣብ ግዜ ልደት ንጉስ ኮይኑ ኣኽሊል ደፊኡ። ካብቲ ግዜቲ ጀሚሩ ድማ ኣብ ሃገር እንግሊዝ፡ ቋንቋ ፈረንሳ ንኣስታት 300 ዓመታት ናይ ቤተመንግስቲ ቋንቋ ኮይኑ የገልግል ነይሩ ይብሃል። እንግሊዛውያን ክሳዕ ሎሚ ብወረራን ዓወትን ዊልያም ይሓፍሩ ኢዮም።
ኣይዛክ ኒውተን ይውለድ
ኣይዛክ ኒውተን ብ 1642 ኣብ መዓልቲ ልደት ኢዩ ተወሊዱ። ንሱ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ናይ ዓለምና ማተማቲካዊ፡ ስነ-ፈለከኛ፡ ስነ-ሃይማኖተኛ፡ ስነ-ፊዚካዊ ኢዩ። ኣብቲ ንሱ ዝነበረሉ ዘመን፡ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ከም ኮቪድ ዝመስል ለበዳ ብዙሕ ሰብ ስለ ዝቐተለ፡ ኣብ ገዝኡ ተወሺቡ ኢዩ ብዙሕ ነገር እተፈላሰፈን ብርቂ ሓሳባት ድማ ንዓለም ዘበርከተን።
ቻርሊ ቻፕሊን ይመውት
ታርለስ ቻፕሊን ብ1977 ኣብ መዓልቲ ልደት ኣብ 88 ዕድመኡ ኢዩ ሞይቱ። ክልተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምምዋቱ፡ ገለ ሰረቕቲ-መቓብር ነቲ ሳጹን ሬሳኡ ወሲዶምዎ፡ ንኺመልሱዎ ድማ ክፍሊት ሓቲቶም ነይሮም፡
ሱናሚ ከም ናይ ልደት ህያብ
ሽሕኳ እቲ ፍጻመ ብዓቢኡ ኣብ ጽባሕ ልደት 2004 እተኸሰተ እንተ ኾነ፡ ቀስ ኢሉ ካብ መዓልቲ ልደት ጀሚሩ ክሳዕ ንጽባሒቱ ኣብ ሱማትራ ከቢድ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ተላዒሉ፡ እቲ ንሱ ዘበገሶ ማዕበላት ድማ ንብዙሓት ኣብ ከባቢ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዚረከባ ሃገራት ኣዕኒዩወን። 230 ሽሕ ሰባት ሞይቶም፡ ቁሸታት ጠፊአን፡ ህዝብታት ተፈናቒሎም።
ካብ ኒው ዮርክ ፖስትን ካልእን እተወስደ