ኣማኑኤል ሳህለ
ፍጥረት ምስ ንጥፈታቱን ምዕባለኡን ኣብ ጕዕዞኡ ዚኽተሎ ፍሉይ ዝኾነ ናቱ መገዲ ኣለዎ። ወድሰብ ድሒሩ እተፈጥረ ኣካል ብምዃኑ፡ ቅድሚ ሰብ ምፍጣሩ መንግስቲ ማዕድንን መንግስቲ ቡቕልን መንግስቲ እንስሳን ነዛ ዓለምና ብሒቶምዋ ነይሮም እዮም። እቲ ማዕድን በቲ ናቱ መገዲ ይምዕብል ነይሩ፡ ማለት ገለ ማዕድን ብብዝሒ መሬታዊ ጸቕጥን ረስንን ናብ ካልእ ማዕድን ይቕየር ነይሩ። ገለ ኣልከሚስት ከም ዚብሉዎ ድማ ነሓሲ ብተመሳሳሊ መገዲ ናብ ወርቂ ይልወጥ ነይሩ። ከምኡውን ከሰል ናብ ኣልማዝ፡ ኣእዋም ናብ ከሰል፡ ረግረጋዊ ጫካታት ድማ ናብ ነዳዲ።
ኣብ መንግስቲ ቡቕሊ ምስ እንርኢ ድማ፡ ካብ ንጽል ዋህዮታት ናብ እኩብ ዋህዮታት እናሓለፉ፡ እተሓላለኸ መገዲ ብምስጋር ናብ ተኽልን ፍረታት ዚህቡ ኣእዋምን በጺሖም። ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ እንስሳታት ካብ ሓደ-ዋህዮኣውያን (unicellular) ፍጡራት ባሕሪ ናብ መሬታውያን፡ ካብኡ ድማ ክንፊ ኣውጺኦም ዚነፍሩ ብምዃን ማዕቢሎም። እዚ ዝብሎ ዘለኹ ናይቲ ኢቮሉሽን ወይ ዘገምታዊ ምዕባለ ዚኽተል ክልሰሓሳብ መግለጺ እዩ።
ነዚ ኣብነታትዚ ዘምጻእኩዎ ምኽንያት፡ ኩሉ ነገር ዚምዕብል ምዃኑ ንምግላጽ እዩ። ማለት ኣብ ፍጥረት፡ ስቕ ኢሉ ዚነብር ግዙፍ ወይ ረቂቕ ነገር የልቦን። ምዕባለ ቀንዲ ሕላገት ፍጥረት ስለ ዝኾነ፡ ስቕ ምባል ከም ምምዋት እዩ ዚቝጸር።
ኣብዛ ዓለምና ወድሰብ እንተ ዘይመጽእ ነይሩ፡ ተፈጥሮ በቲ እተመደበሉ ተፈጥሮኣዊ መገዲ ምኻዱ ምቐጸሎ ነይሩ፡ ውጽኢቱ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ዘሐጉስ ኣይምኾነን። ግን ሰብ ኣብቲ መስርሕ ተፈጥሮ ጣልቃ ብምእታው (intervention)፡ ንማዕድናት መስሪሑን ሰናኒዑን ሓዋዊሱን በቲ ናቱ ጥበብ ተመሪሖም ከም ዝኸዱ ብምግባር ብተፈጥሮ ኪህልዉ ዘይነበሮም ወይውን ካብቲ ተፈጥሮ ኪሰርሖም ዚኽእል ንላዕሊ ዝተርሩን ነዊሕ ዘገልግሉን ከም ኣስራዚ (ሕውስዋስ ነሓስን ቲንን)፡ ፕላስቲክን፡ ኣቻዮን፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዚቝጸሩ እተፈላለዩ ስርሒት ማዕድናትን ከሚካልን ከፍሪ ክኢሉ።
ኣብ መንግስቲ ቡቕሊ ምስ እንርእይውን፡ ወድሰብ ነቲ ዝደልዮ ዓይነት እኽሊ ነንሕድሕዱ ከም ዚዳቐል ብምግባር ነዚ ሕጂ እንርእዮ ዘሎና ኣብ ተፈጥሮ ዘየለ ዓይነት እኽሊ (እተሰነዐ ወይ ሞዲፋይድ) ከም ዚፈሪ ገይሩ። ከምኡውን ኣብ መንግስቲ እንስሳ እንተ ተመልከትና፡ ብምድቕቓልን ብምርባሕን ንጸባ ዝኾናን ብዙሕ ጸምሪ ዘብቁላን፡ ኣቕርንቲ ዘይብለን ከብትን ንኣኡ ብዚምሽእ መገዲ ‘ኪፈጥር’ ክኢሉ።
ናይ ወድሰብ ጣልቃ ምእታው፡ ሓድሓደ ግዜ ኪበዝሕ ከሎን ኣንፈቱ ኪስሕት ከሎን ግን ሕማቕ ሳዕቤን ከኸትል ከም ዚኽእል ክንርስዕ ኣይግባእን። ንኣብነት ገለ “እተመሓየሹ ወይ ሞዲፋይድ” ዝኾኑ ኣእካል ኣብ ጥዕና ወድሰብ ጸገማት ከምጽኡ ይኽእሉ እዮም። ቀልጢፈን ክዓብያን ክረጕዳን ኢሎም ኣንቲባዮቲክን ካልእን ዘብለዑወን ከብቲ ኣብ ወድሰብ ብዙሕ ሕማማት ፈጢረን እየን።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኣብነት፡ ኣብቲ ናይ ወድሰብ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ዕብየት እውን ይረአ እዩ። ብመጀመርታ ንሕና፡ ከም ተፈጥሮኣውያን ሰባት፡ ከምቲ እተፈጠርናዮ ኴንና እንጎዓዝ ዘሎና ኣይመስለንን። ጥራይና ዝነበርና፡ ክዳን ፈጢርና፣ ብእግርና እንጎዓዝ ዝነበርና ብኣድግን ፈረስን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብመኻይንን ነፈርትን ቅልጡፋት መራኽብን ንጎዓዝ ኣሎና። ኣዒንትና ምስ ዚደክም መነጽር ዓይኒ ንገብር። ምስ እንሓምም (ማሪታዊ ንጥፈታት ኣብ ክንዲ እነካይድ) ኣፋውስ ንጥቀም ወዘተ..። ኣብ ኣካላትናን ኣብ ናብራናን ኣብ ሳየንስ እተመርኮሰ ጣልቃ ዘይምእታውና ኪጎድኣና ስለ ዚኽእል፡ ግድን ነዚ ኣቐዲሙ እተዘርዘረ ነገራት ንፍጽም። ተፈጥሮ ድላያ ክትገብርን ክትገዝኣናን ስቕ ኢልና ኣይንርእን።
ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ህይወትናኸ? ከምቲ ክንፍጠር ከሎና ዝነበረና ማሕበራውን ፖለቲካውን ኣቃውማ ሒዝና ዲና ንጎዓዝ ዘሎና ወይስ ኣብቲ ምስ ተፈጥሮ ተሳኒና ክንከይድ ዘገድደና ማሕበራዊ ጕዕዞና ጣልቃ ብምእታው ክንልውጦን ከንቅይሮን ንፍትን ኢና?
ውልቀመላኽነት ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ቅርጽታት ፖለቲካዊ ኣቃውማ ሕብረተሰብ እዩ። እዚ ኣብ እንስሳታት ኣዚዩ ልሙድን ዝውቱርን ኢዩ። መብዛሕትኦም እንስሳታት ብዘይ ውልቀመላኺ ብሰላም ደረጃታቶምን ቦታታቶምን ሓሊዮም ኪነብሩ ኣይክእሉን እዮም። ኣብ እንስሳታት ደሞክራሲ ዘሎ ኣይመስልን።
ውልቀመላኽነት፡ ሰብ ከም እንስሳ ከሎ ዘጥረዮ ናይ ዘመን እኒ-እኒ ዓይነት ምሕደራ እዩ። ነዚ ኣብዛ ዓለም ዘሎ ህዝቢ ከም እንስሳ ናጻ ኪጎዓዝ እንተ ንገድፎ፡ 99 ካብ ሚእቲ ውልቀመላኽያን ዘለዎ ምሕደራ መርኣየና። ይኹንምበር፡ ኣብ ዚሓስብን ብኹለንትናኡ ዚምዕብልን ማሕበረሰብ፡ ውልቀመላኽነት ነዊሕ ኪጎዓዝ ኣይክእልን።
ኣብ ሓደ ጽሑፍ ዘንበብኩዎ ከምዚ ይብል፣ ንህዝቢ ዓለም ስቕ ኢልካ እንተ ትርእዮ፡ ዘይሩ ዘይሩ ናብቲ ምስ ተፈጥሮ ዚዛመድ ካፒታሊዝም ስርዓተቁጠባ እዩ ዝወድቕ። ካፒታሊዝም ከኣ ናይ ውሑዳት ሰባት ውልቀመላኽነት እዩ። ሰርቫይቫል ኦቭ ዘ ፊተስት፡ ማለት ከከም ስረኻ ምንባር ማለት እዩ። ኣብ ኣመሪካ፡ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ እኳ እንተ ሃለወ፡ ብቑጠባዊ ዓይኒ ምስ ዚፍተሽ ግን፡ ናይ ውልቀመላኽነት ባህርይ ዘለዎ ምሕደራ እዩ። ናይ ሃብታማትን ገበትትን ውልቀመላኽነት።
በዚ መገድዚ ኪረአ ከሎ፡ ምምጻእ ኮምዩኒዝም ከም ሳየንሳዊ ጣልቃ ምእታው ጌርና ክንወስዶ ንኽእል። ኮምዩኒዝም ነቲ ከከም ስረኻ ዚብል ቁጠባዊ ኣባላላዕ ከጥፍእ እዩ መጺኡ። ግን እቶም ነዚ ከተግብሩ እተላእኩ ማርክሲሳውያን ይኹኑ ለኒናውያን ወይ ማኦያውያን፡ ዕዮ ገዝኦም ረሲዖም ናብ ሰልፋዊ ውልቀመላኽነት ሰጊሮም። ውልቀመላኽነት ድማ ካብ ጥረኣዊ ካፒታሊዝም ስለ ዘይፍለ፡ ናይ ተፈጥሮ ባህርያት ዝለበሰ ድማ ብምዃኑ፡ ብናይቶም ስቕ ኢሎም ክርእዩ ዘይደልዩ ጣልቃ ምእታው ኪፈርስ ክኢሉ። ከዕሪ ተባሂሉ ዝመጸ ኮምዩኒዝም ድማ ምስቶም ልኡኻቱ ዓንዩ ተሪፉ።
ውልቀመላኽነት ኣብ ፖለቲካ ጥራይ ኣይኮነን ዚኽሰት። ናይ ቁጠባ፡ ናይ ባህሊ፡ ናይ ሃይማኖት ውልቀመላኽነት እውን ኣሎ። ኣብ ማእከላይ ዘመን ኤውሮጳ፡ እቲ ካቶሊካዊ ጳጳስ፡ ናይ ሃይማኖት ውልቀመላኺ እዩ ነይሩ ኪብሃል ይከኣል። ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ እቲ ኣብ መሪሕነት ዘሎ ጉጅለ፡ ፖለቲካውን ሃይማኖታውን ውልቀመላኺ እዩ። ኣብ ኣመሪካ እውን፡ ገለ ክፋላት እቲ ህዝቢ፡ ክርስትያናዊ (ብፍላይ ድማ ኤቫንጀሊካላዊ) ውልቀመላኽነት ከተግብሩ ዚጓየዩ ዘለዉ ይመስሉ።
ስቕ ኢልካ ምርኣይ፡ ንተፈጥሮ ዲል ወይ ሓይሊ ምሃብ ማለት እዩ። ንግራትካ ስቕ ኢልካዶ ትርእዮ ኢኻ? ከምኡ ምስ እትገብር፡ እቲ ግራትካ ብጻህያይን እሾኽን ተኾርባን ብኣትማንን ዕንቅሪቢትን ይመልእ። ጣልቃ ምስ እትኣትዎ ግን (ማለት ምስ እትጽህዮ፡ ምስ እትጉልጉሎ፡ ካብኡ ሓሊፉውን ጥዑይ ድዅዒ ምስ እትገብረሉ) ግሩም እኽሊ ዘብቁል ግራት ይኾነልካ።
ንሓደ ነገር ወይ ኩነታት ስቕ ኢልካ እትርእዮስ ናበይ ኪኸይድ ስለ ዝደለኻ እዩ? ናብ ድላዩ ይኺድ እትብል እንተ ኾንካ፡ በቲ ስዒቡ ዚመጽእ ጸገማት ስክፍታ የብልካን ማለት እዩ። ስቕ ኢልካ ምርኣይ ማለት እኮ፡ ንኹሉ ዚፍጠር ጸገማት ተፈጥሮ ባዕላ መፍትሔ ትፍጠረሉ ከም ማለት እዩ። ተፈጥሮ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ሕገ-ኣራዊት እያ እትመርሓካ። ንግራትካዶ ንተፈጥሮ ኣሕሊፍካ ትህባ ኢኻ?
ከመይ ዝበለ ጣልቃ ምእታው እዩ ዚድለ ዘሎ? ኣብዛ ዓለምና እቲ ኣንጻር ተፈጥሮን ተፈጥሮኣዊ ባህርያትን ዚነጥፍ ዓይነት ምሕደራ፡ እቲ ደሞክራሲ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ምሕደራ እዩ። ደሞክራሲ፡ ብዚሓስብ ሰብ እተኣታተወ ኣንጻር ተፈጥሮ ዝኾነ ምሕደራ እዩ (ኣውሮፕላን እኮ ኣንጻር ግራቪቲ ስለ እትኸይድ እያ ክትነፍር ዝኸኣለት፡ ከም ካልእ ግን ክትወድቕ ኢዩ ዚግበኣ)። ተፈጥሮኣዊ ምሕደራ ብውልቀመላኽነትን ብዕብለላን ብጊላነትን ጭፍለቓን ዝቖመ እዩ። ነዚ ንምልጋስ፡ ናይቲ ዚሓስብ ሰብ ጣልቃነት ምእታው ግድን እዩ።
እሞኸ ንተፈጥሮ ኣብቲ ቁጠባውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ህይወትና ድላያ ክትገብር ክንገድፋ ይግባእዶ? ኣይፋልን። ኣብ ትንተናን ኣብ ፍልስፍናዊ ኣተሓሳስባን ኣብ ስነመጎትን እተመርኮሰ ናይ ለውጢ ጣልቃ ምእታው ከነካይድ ግድን እዩ።
እቲ ጣልቃ ምእታው ግን ይኽፈሎ ኸኣ እዩ።
ኩላቶም እቶም ኣንጻር ምልኪ ዚቃለሱ፡ ኣንጻር ዕዉር ሃይማኖትን ማሪትን ዚማጎቱ፡ ኩላቶም እቶም ስለ ፍትሒ ዝሕለቑ፡ ሓድሽ ሓሳባት ዘፈልፍሉ፡ ዚጽሕፉ፡ ዚወቕሱ፡ ዚምህሩ ወዘተ. ኣብቲ ተፈጥሮኣዊ መስርሕ ጣልቃ እዮም ዚኣትዉ ዘለዉ። ኣብዛ ዓለምና ምስ እንርኢ ድማ ካብዚኣቶም መብዛሕትኦም እቶም ዕድለኛታት ኣብ ቤትማእሰርቲ ኪሳቐዩ ኸለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣሰር ዘይብሎም ኮይኖም ኪጸንቱ ንቡር እዩ። ከመይሲ ዓለምና ብባህርያታ ንድሕሪት እያ ክትጎተንና እትደሊ። ነቶም ኣብቲ መስርሓ ኣትዮም ኪልውጡ ዚደልዩ ባእታታት ድማ ክትነጽጎም ድልውቲ እያ።
ቃልስን ጣልቃነትን ከዕርፍ ኣይግባእን። ምስ ዘዕርፍ፡ እቲ ጻህያይ ንኺምለስ ግዜ ኣይወስደሉን እዩ። La luta continua!