ሓንቲ ስድራቤት ንብርክት ዝበላ ዓመታት ኣብ ፋሚሊ ሆም ድሕሪ ምጽናሕ ሰለስተ ዝዕድሚኣ ጓሎም ናይ ምዕባይ መሰል እኳ እንተተዋህቦም እዛ ጓሎም ድሕሪ ዓሰርተ ኣዋርሕ ምሟታ ተፈሊጡ። እዛ ህጻን ኣብ ኖርሾፒንግ ኣብ ዝርከብ ቤት እዞም ጽምዲ እያ ህይወታ ሓሊፋ ተረኺባ ዘላ። ብሞት እጻ ህጻን እተጠርጠረት ኣደ ናብ መጋባእያ ከም እትቐርብ ድማ ተገሊጹ’ሎ። እዛ ኣደ ምስ ኣቦ ጓላ ብምስምማዕ ነዚ ቕትለት ከም ዝወዓለቶን ጓሎም ኣብ መወዳእታ ወርሓ ጥሪ ኣብቲ ቤት ህይወታ ሓሊፉ ከም እተረኽበትን ኣቦ እዛ ጓል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እናሃለወ ኣብ ከካቲት ምሟቱን ድማ ተሓቢሩ።
እዞም ጽምዲ ንጓሎም ብጎነጽ ምቕታሎም ኣኽባሪት ሕጊ ኣና ላንደር ትገልጽ። ኣብ ርእሳን ሕቖኣን ምልክታት ማህረምቲ ከም እተረኽባን ከቢድ መድሃኒት የውሕጥዋ ምንባሮም፥ ድሕሪ ሞታ’ውን እንተኾነ ንሬሳኣ ብዘሕስር ኣገባብ ከም ዝሓዝዋ ድማ ወሲኻ ሓቢራ። እታ ኣደ ነዚ ገበን ኣይወዓልክዎን ብምባል ብተደጋጋሚ ናይ ክሕደት ቃል ምሃባን እታ ህጻን ካብ መሕጸብ ሰብነት ብምውዳቓ ዘጓነፈ ሞት እዩ ክትብል ንምኽንያት ሞት ድንገታዊ ምዃኑ ክትገልጽ ምጽንሓ ድማ ጠበቓኣ ፐር ኦህሜ ይሕብር። ብዘይካዚ እቲ ጠበቓ ምናልባት ኣቦኣ እንተድሓና ብምባል ገለ መድሃኒት ከም ዝሃባ እንተኾነ ግና እታ ኣደ ኣብዚ ጒዳይ ምንም ኢድ ከም ዘይብላ ገሊጹ’ሎ። ሞት እዛ ህጻን ብህዝቢ “ንእሽቶ ልቢ” እናተባህለ ክጽዋዕን ብዙሕ ኣቓልቦ ክረክብን ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።