ሓንቲ ቦይንግ 737 ዝዓይነታ ናይ ጽዕነት ነፋሪት፡ ኣብ በረራ እንከላ ኣብ ሞቶረኣ ብልሽት ድሕሪ ምግጣሙ፡ ኣብ ማያት ሆኖሉሉ፡ ርእሲ ከተማ ሃዋይ፡ ክትዓልብ ከምዝተገደደት ማዕከን CNBC ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣብታ ነፋሪት፡ ክልተ ሰባት ጥራይ ከምዝነበሩን፡ ብሓለዋ ገማግም ሃዋይ ከምዝደሓኑን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘለዉን መባእታዊ ሓበሬታ ገሊጹ።
ቦይንግ 737 ዝዓይነተን ነፈርቲ፡ ድሕሪ’ቲ ሂወት ናይ 346 ሰባት ዝቐዘፈ ክልተ ሓደጋታት ቦይንግ 737 ማክስ፡ ካብ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚረን ካብ ስራሕ ደው ኢለን ምጽነሐን ይፍለጥ።