ሕሙማት ኮሮና ኣብ ምእላይ እናሃለወት ህይወታ ዝሓለፈ ነርስ ኣማውታኣ ምስ ሸለልትነት ዝተተሓሓዘ እዩ ንዝብል ክሲ ንምጽራይ መርመራ ከም እተጀመረ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ። እዛ ኣብ ክሊ ዕድመ ኣርብዓታት እትርከብ ነርስ ኣብ ስቶክሆልም ሆስፒታል ካሮሊንስካ ሕሙማት ኮሮና ኣብ ምእላይ ተዋፊራ ምንባራ ተገሊጹ’ሎ። ኣብ ሆስፒታላት ክቕረብ ዝጸንሐ ናይ መከላኸሊ ኣልባሳት ምስ ስታንዳርድ ኤጀንሲ ጥዕና ብምውድዳር ትሑት ብቕዓት ዘለዎ ኮይኑ ብምርካቡን እዛ ነርስ በዚ ምኽንያት ብሸለልትነት ሞይታ ኣላ ዝብል ክሲ ምቕራቡን ድማ ተመልኪቱ። በዚ ድማ ኣኽበርቲ ሕጊ ፖሊስ ኣድላዪ ዘበለ መርመራ ክጅምሩ ሓቲቶም ኣለዉ ተባሂሉ’ሎ።