እዞም ሓሙሽተ ሰብኡት ኣብ መጻብብ ኦረሱንድ ንእትርከብ ቪን ዝተባህለት ደሴት እናተጠቕሙ እዮም ዕጸፋርስ ከሳግሩ ተታሒዞም። እቶም ክልተ ሰብኡት ብጋዝ እትዓዪ ጃልባ ብምጥቃም ብ 10 ጥሪ ዕጸፋርስ ኣብ ምምልላስ እዮም ተዋፊሮም ኔሮም። ሳልሳዮም ድማ ነቲ ዕጸፋርስ ናብ መኪና ክራይ ብምጽዓን ናብ ሽውደን ከስግሮ መዲቦም እዮም ተንቀሳቒሶም።
“እዞም ሰባት ኣብ ገበን ኣብ ምፍጻም ሓደ ካብ ሓደ ዘይሰንፍ ተራ እናተጻወቱ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ውዒሎም ኣለዉ” ክብል ኣኽባር ሕጊ ሉንድ ኣይ ካርልቡንግ ብሰሉስ ገሊጹ። እዞም ገበነኛታት ብምትሕብባር ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ክኣትዉ ምኽኣሎም ተገሊጹ’ሎ።