ብምኽንያት ልዑል ዋጋ ጸዓት ኤለትሪክ ኣብ ሽግር ዝርከቡ ዓማዊል ደቡብን ማእከላይን ሽወደን ንምሕጋዝ፡ ብዙሕ ወጻኢታት
ክግበር ከም ዝኽእል ተገሊጹ። እዚ እማመ ብ ዳይረክተር ጀነራል “ስቨንስካ ክራፍናት” እዩ ቀሪቡ ዘሎ። እቲ ዳይረክተር ጀነራል
ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ጸዓት ቢዝነስን ኢንዱስትሪን ኤባ ቡሽ ኣብ ዝገበሮ
ጋዜጣዊ ዋዕላ እዩ ነዚ እማመ ኣቕሪቡ ዘሎ።
ብመሰረት እዚ እማመ ክሳብ 55 ቢልዮን ክሮና ዝኸውን ካሕሳ ን ሓሙሽተ ሚልዮን ዓማዊል ተሰሊዑ’ሎ። እዚ እንድሕር ጸዲቑ
እቲ ሓገዝ ን ስድራቤታት፡ ኲባንያታትን ውድባትን ምሃብ ክጅመር እዩ።