ዝዓበየት ተልእኾ ትካል ምርምር ጠፈር ኣመሪካ (ናሳ) ዝኾነትን ጽንዓት ዝተሰምየትን መንኰርኰር ኣመሪካ ኣብ ማርስ ህይወት እንተሎ ንምድህሳስ ናብታ ፕላኔት ዕዉት ምዕላብ ምግባራ ተገሊጹ። እዛ መንኰርኰር ክሳብ ሕጂ ናብ ካልኦት ፕላኔታት ካብ ዝተላእኩ እቲ ኣዝዩ ዝተራቐቐ ላቦራቶሪ ህይወታዊያን ዝሓዘለት ኮይና ብሓሙስ ኣብ ክሊ ኣየር ማርስ ክትዝምቢ ጸኒሓ ድማ ከም ዝዓለበትን ድምጺ ኣመሪካ ገሊጻ። እዛ መንኰርኰር ተልእኾኣ ኣብ ማርስ ጥንታዊ ህይወት ብዛዕባ ምንባሩ መርመራ ንምግባር እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ጥቓ ሎስ ኣንጀለስ ዝርከቡ ኣባላት ናሳን ኣካየድቲ እቲ ተልእኾን ድሕሪ ምዕላብ እዛ መንኰርኰር ሓጎሶም ብጣቕዒት ገሊጾም እዮም። እታ ሽዱሽተ ተሽከርከርቲ ዘለዉዋ መኪና ናብቲ ዝተመደበላ ክፋል ማርስ ብምብጻሕ ድሮ መርመራኣ ምጅማራ እቶም ኣካየድቲ ስራሕ ገሊጾም። እዛ ናይ ሮቦት ተሽከርካሪት ዝሓዘለት መንኰርኰር ን ሸውዓተ ኣዋርሕ 472 ሚልዮን ኪሎሜትር ብምጒዓዝ እያ ናብ ምድረ ገጽ ማርስ በጺሓ ዘላ።