ሓላፊ ፖሊስ ሽወደን ኦሎፍ ጆሃንሰን ከምኡ’ውን ሓላፊ ፖሊስ ኒውጀርዚ ሪክ ፉንተስ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብ ስቶክሆልም ንዝረአ ናይ ብረት ምጥቕቓዕ ዝበዝሖ ጎነጽ ንምቅላስ ምስ ፖሊስ ኣመሪካ ብምትሕግጋዝ ክሰርሑ ምዃኖም ገሊጾም።
ንኩነታት ሽወደን ኣመልኪቱ ጆሃንሶን ኣብዝሃቦ ሓበሬታ ኣብዚ ሕጂ እዋን ገበናት ኣብ ሽወደን ኣብ ጽንኲር ኲነታት ከምዘሎን ብረታት ካብ ጽርግያታት ኣብ ምእካብ ኢና ተዋፊርና ዘለና” ክብል ነዚ ኩነታት ይገልጾ። ፖሊስ ሽወደን ካብ ተመኲሮ መርመርቲ ፖሊስ ኣመሪካ ብዙሕ ብልሓታትን ኣገባባትን ክመሃሩን ንሰብ ብረት ገበነኛታት ኣብ ምሓዝ ዝሓሸ ስሉጥ ምህሮ ክቐስሙን ተስፋ ተጌሩሉ ምህላዉ እውን ተገሊጹ።