ብዕለት 15/07/2020፡ ሒሳባት ትዊተር ናይ ከም ቢል ጌትስ፡ ባራክ ኦባማን ጆ ባይደንን ዝኣመሰሉ ውሩያት ሰባት ጨውዩ፡ ቢትኮይን፡ ናብ ሓደ ሒሳብ ንኽስደድ ዝጠልብ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ክመሓላልፍ ከምዝጸንሐ ዝንገረሉ ሓደ ወዲ 17 ዓመት ዝኾነ ኮተቴ ሎሚ ኣብ ታምፓ፡ ፍሎሪዳ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ምንጭታት ሓቢሮም ክብል TT ኣቃሊሑ።
እዚ ኮተቴ ብ30 ዝተፈላለዩ ናይ ምትላል (Fraud)፡ ናይ መንነት ስርቅን (Identity theft) ምጥሓስ ሓበሬታ (Data breach) ዝኣመሰሉ ገበናት ከምዝኽሰስ መርመርቲ ሓቢሮም። ኣብቲ ገበን ብዙሓት ሰባት ከምተሳተፉ ካብቲ መርመርቲ ኣብ ዘረብኦም ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ናይ ሓባር መጸውዒታት ክግምገም ተኻኢሉ ኣሎ። እቲ ኮተቴ፡ እቲ ቀንዲ ሃንዳሲ ናይ ገበናት ብምዃኑ ኣብቲ ናይ ፍሎሪዳ ሕጊ፡ ማለት፡ ንጉዳይ ፋይናንሳዊ ምትላል ብዝምልከት ልዕሊ ዕድመን ትሕቲ ዕድመን ብማዕረ ዝፍረድሉ መስርሕ፡ ክቐርብ ምዃኑ እቶም መርመርቲ ይገልጹ።
ከም በዓል ኤፍ.ቢ.ኣይ ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ኣብቲ ዝነበረ ስርሒት ከምተሳተፉ ኣኽባር ሕጊ ወረዳ ሂልስቦሮ (Hillsborough)፡ ኣንድሪው ዋረን፡ ገሊጹ።
ሰባት፡ ርሂጾምን ደኺሞምን ዝኣከብዎ ገንዘብ፡ ኣታሊልካ ምውሳድ ጌጋ እዩ። ንሰባት ብቐጥታዊ መንገዲ ወይ ድማ ብመንገዲ ኢንተርኔት ጌርካ ጥረ ገንዘቦም ክትሰርቕ ምፍታን፡ ምትላልን ዘይሕጋውን ስለዝኾነ፡ ከምዚ ዓይነት ገበን ዝፍጽም ሰብ ካብ ሕጊ ከምልጥ ኣይክእልን እዩ ክብል ኣንድሪው ዋረን ዘረብኡ ዛዚሙ።