ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቬን፡ ኣብ እዋን ቅንያት ክሪስትማስ፡ ሰባት ናብ ዕዳጋታት ብምኻድ ሸመተ ንኸየካይዱ ተላብዩ ክንሱ፡ ብገዛእ ርእሱ ኣብ ዱኳናት ክሽምት ከምተራእየን ከምሳዕቤኑ ድማ ነቐፌታታት ክዘንቦ ምጽንሑ ይዝከር። ንሱ፡ ኣብ ምሉእ ዕድሚኡ፡ ብመንገዲ ኦንላይን ሸሚተ ኣይፈልጥን እየ ክብል ንስቱድዮ ስዊዲሽ ሞርኒን ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ገሊጹ።
ኣነን ካልኦትን፡ ንጥፈታትና ብኸመይ መንገዲ ክንድርቶ ከምዝግበኣና ኣብ ቀጻሊ ሓሳብ ንርከብ። ካብ ቤተይ ኣብ ዝወጸሉ እዋን፡ ከመይ ኢለ ውሑስ መንገዲ ከም ዝኽተል ኣዝየ እየ ዝጥንቀቕ። ብኢንተርነት ሸሚተ ኣይፈልጥን እየ፥ እንተኾነ ግና ኣቐድም ኣቢለ ክሽምት ይኽእል ኔረ እየ ክብል ኣረዲኡ።
ስቴፋን ሎቬን፡ ብዕለት 23 ታሕሳስ 2020 ኣብ ዕዳጋታት ምስ ተራእየ፡ ነቐፌታታት ብመርበብ ሓበሬታ ክዘንቦ ጀሚሩ።
ብዛዕባ እዚ ሓድሽ ሕጊ ኮሮና፡ ኣድላይ’ዶ ትብሎ፡ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ንሱ፡ ኣብ ኣሸጋሪ ኩነታት ስለ ዘሎናን ክኢላታት ከይተረፉ ባህሪ እዚ ቫይረስ ኣሸጊርዎም ስለ ዘሎን ኣድላይ ስጉምታት ምውሳድ ግድነት ከድልየና እዩ ኢሉ።