ትማሊ ክለብ ባርሶሎና ናብ ክለብ ርያል ቫላዶሊ ገይሻ ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ መሲ ካብ ትካዘ ወጽዩ ድንቂ ምንቅስቃስ ኣብ ዝገብረሉ ጸወታ ጋንትኡ 3 ብ 0 ብምዕዋት ኣገድስቲ ሰለስተ ነጥቢ ክትሓፍስ ዝልዓለ ኣስተዋጽኦ ገይሩ። መሲ ኣብ ኩለ ሸቶታት ዝተዋሴ ኮይኑ ሳልሰይቲ ሸቶ ግን ብ ስሙ ብምምዝጋብ ነቲ ብ ብሉጽ ተጻዋታይ ዓለምና ዝኮነ ፔለ ተታሒዙ ዝንበረ ክብረ ወስን ማለት ሓደ ተጻዋታይ ኣብ ሓንቲ ክለብ ዘምዝገቦ ብዝሒ ሸቶታት ዝብል ብ 643 ሸቶታት ሒዝዎ ዝጸንሔ ፔለ ድሕሪ ቡዙሕ ዓመታት ብ መሲ ክስበር ዝኸኣለ። በዚ ምሰረት መሲ 644 ሸቶታት ን ክለብ ባርሳ ብምምዝጋብ እዩ ነዚ ክብረወስን ብምስባር ንፐለ ኣከቲሉ ናይ ውልቁ ገርዎ ዝርከብ።
ብ ሳልሳይ ዝስዕቦም ጀርመናዊ ገራርድ ሙለር ኮይኑ 564 ሸቶታ ን ባየር ሙኑኽ ዘመዝገበላ ክኸውን ከሎ። ኣብዚ ግዜ እዚ ቀንዲ መቀናቕንቲ መሲ ዝኾነ ክርስትያኖ ሮናልዶ ድማ መበል 10 ኮይኑ እዚ ድማ 450 ሸቶታት ምስ ርያል ማድርድ ዘመዝገቦ ሸቶታት እዩ።
መሲ ብዛዕባ እዚ ክብሪ ተሓቲቱ ኣብ ዝመለስሉ ” ኩዑሱ ክጅምር ከለኩ ነዚ ክበጽሖ እየ ሓሲበዮ ኣይፈልጥን ግን ካብ ኮነ ንኩሎም መጻወተይ ኣብ ጎነይ ዝነበሩ ብዝገብርለይ ሓገዝ እዩ በጺሔዮ ምስጋናይ ይብጻሓዮም” ክብል ይምልስ።