ብመሰረት ስታቲስቲክስ ኲባንያ ፖስት ሽወደን ፖስትኖርድ ኣብዚ ዓመት ዕዳጋ ጸሊም ዓርቢ (black Friday) ብ 7.1 ቢልዮን ክሮነር ሓድሽ ክብረወሰን ሒዙ ኣሎ። እዚ ማለት ምስ ናይ ዓሚ ብምንጽጻር ናይ 300 ሚልዮን ዶላር ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ ማለት እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ መዓልቲ ጸላም ዓርቢ ክሽምቱ ምምራጾምን ፍርቂ ካብዚ ሽመታ ብኦንላይን ከም እተፈጸመን ድማ ተፈሊጡ።
ብማእከላይ ገምጋም ነፍሲወከፍ ዱካን ክሳብ ናይ 2890 ክሮነር ሽወደን ዝበጽሕ ሸመታ ምግባሮምን ዝበዝሐ እተሸመተ ኣቕሓ ድማ ኤለትሮኒክስ ከምኡ’ውን ኣልባሳት ምንብሮም ተሓቢሩ። “እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ብዙሓት ሰባት ናይ ክሪስማስ ህያባት ክገዝኡ ዕድል ብምርካቦም እዩ። ጸላም ዓርቢ ንክሪስማስ ዝቐረበት ብምዃና ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል ኣብ ፖስኖርድ ተንታንጅ ዜና ካርል ፍሬድሪሽ ቲየደር። ሃገራዊ ኲባንያ ሜይል ፖስትኖርድ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት ኣብ ዘሎ መዓልታት ልዕሊ 995 ሽሕ ኣቕሑ ምምልላሱውን ተሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ኲባንያ 56 ሚእታዊት ናይዚ ዕድጊ ኦንላይን እዩ ተኻይዱ።