ካብ ሎም ሰንበት ጀሚሩ፡ ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሜኦም እስራኤላውያን፡ ሳልሳይ ብልቃጥ ክታበት ፋይዘርን ብዮንቴክን ክወሃቡ ምዃኖም መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣመሓላሊፉ።
እዚ ወፍሪ ክታበት፡ ንደልታ ዝተባህለ ዓይነት እቲ ቫይረስ ንምዕጋት ተባሂሉ ዝወሃብ ዘሎ ምዃኑ ተፈሊጡ። በዚ ድማ ፋይዘር ብUS Fda ገና ፍቓድ ከይረኸበ እንከሎ ኣብ እስራኤል ፈተነ ይግበረሉ ኣሎ ማለት እዩ።
ኩባንያ ፋይዘር፡ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ደልታ ጅር ኮቪድ፡ ንምክልኻል ሳልሳይ ብልቃጥ ከም ዘድልዮምን እቲ መድሃኒት ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ምሉእ ፍቓድ ክረክብ እዩ ዝብል ትጽቢት ምህላዉን ኣመልኪቱ’ሎ።
ደልታ ዝተባህለ ጅር ኮቪድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ኣብ እስራኤል ከም ዘስፋሕፈሐ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ክልተ ሳዕ ምሕባሩ ዝፍለጥ እዩ።