ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሉፈን ኣዝዩ ልዑል ምትእምማን ዘለዎም 3 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ሽውደን ጥራይ ምዃኖም ማእከል ሓሳብካ ምግላጽ ሲፎ ዝተባህለ ትካል ኣፍሊጡ። ልዕል ዝበለ ምትእምማን ዘለዎም 33 % እቶም ዝተረፉ 62 % ግና ትሑት ወይ ኣዝዩ ትሑት ምትእምማን ከም ዘለዎም እዮም ዝዛረቡ።
“ኣዝዩ ውሑድ ደገፍ ክህልወካ ጽቡቕ ምልክት ኣይኰነን ግንብኣህጒራዊ ደረጃ እንተርኢኻዮ ሊፈን ዝሓሸ ደገፍ ኣለዎ” ይብል ሓላፊ ጸብጻብ ሲፎ ቶይቮ ዦረን።፡ ዝበዝሐ ተቓውሞ መንግስቲ ሉፈን ካብ ኣድመጽቲ ሰልፍታት ክርስትያናዊ ዴሞክራሲን ዴሞክራስያዊ ሰልፍን እዩ ዝመጾ ዘሎ። 36 ደገፍ መንግስቲ ካብ ሰልፊታት ዓቃባዊን ክርስትያን ዴሞክራሲን ዝመጽእ ምዃኑን እዚ ድማ ዝወሓደ ምዃኑን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ’ሎ።