ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019፡ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ንፈለማ እዋን ካብ ዝቀላቐል ጀሚሩ፡ ክሳብ ሕጂ ብዓለም ደረጃ፡ ልዕሊ 200 ሚልዮን ሰባት፡ በዚ ቫይረስ ከምዝተለኽፉ፡ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ኣሜሪካዊ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ይሕብሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ብናህሪ ይውስኽ ከምዘሎን፡ ከም ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ኩነታት ድማ፡ ምስፍሕፋሕ ናይ ሓድሽ ጅር ኮሮና፡ ደልታ፡ ክኸውን ከምዝኽእል ይንገር።
ብመሰረት ጸብጻባት ጋዜጣ ኒው ዮርክ ታይምስ፡ 100 ሚልዮን ሰባት ብኮሮና ክሳብ ዝልከፉ ዝወሰደ ግዜ፡ ዕጽፊ ናይቲ ካብ 100 ሚልዮን ናብ 200 ሚልዮን ንምብጻሕ ዝወሰደ ግዜ ምንባሩ ገሊጹ።
ይኹን እምበር፡ ዋላ’ኳ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ብናህሪ እንተወሰኸ፡ ዘጋጥሙ ናይ ሞት ኩነታት ግን ትሑት ምዃኑ ወግዓውያን ኣካላት ይገልጹ።