ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት፡ ልዕሊ ፍርቂ ኖርዌጃውያን ኣብ መንጎ ደሞዝ ድኻታትን ሃብታምትን ዘሎ ጋግ ይገፍሕ ኣሎ ኢሎም ከም ዝኣምኑ ተገሊጹ። ዝሃብተሙ ኖርዌጃውያን እውን ከይተረፉ፡ ብዛዕባ ማዕርነት ኣዝዮም ተጠራጠርቲ እናኾኑ ምምጽኦም ኖርሽክ ሞኒተር ተባህለ ዳህሳስ ኣመልኪቱ።
58% ካብቶም ነዚ ሕቶ ዝመለሱ ኖርዌጃውያን ኣብ መንጎ ኖርዌጃውያን ዘሎ ጋግ ቊጠባ እናገፍሐ ይመጽእ ኣሎ ኢሎም ከም ዝኣምኑ እቲ ዳህሳስ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ኣብ 1999 እዚ መጠን ከምቲ ሕጂ ዘለዎ ምንባሩ እንተኾነ ግና እቲ ኣሃዝ ክሳብ 2013 ከንቈልቊል ምጽንሑ ኣብቲ ኣሃዝ ተገሊጹ። ኣብዚ ዳህሳስ 3,500 ሰባት ተሳቲፎም ኣለዉ ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ኖርወይ ቱደይ።