ኣብ ብመጽሔት ዳገንስ ሳምሄለ (Dagens Samhälle) ኣብ ዝተገብረ ዳህሳስ፡ ልዕሊ ፍርቂ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ሽወደን ነቲ ሕጊ ኢሚግሬሽን ክተርር ኣለዎ ዝብል እማመ ከም ዝድግፍዎ ኣቃሊሑ። ብመሰረት እቲ ዳህሳስ፡
• 51% ሕጊ ኢሚግሬሽን ካብ ዘለዎ ንኽተርር ክድግፉ እንከሉው
• 37% እቲ ሕጊ ኢሚግሬሽን ከምዘለዎ ክጸንሕ ዝብሉ ክኾኑ እንከለው
• 12% እቲ ሕጊ ኢሚግሬሽን ካብ ዘለዎ ክፎክስ ዝብሉ እዮም።
ዓቃባዊ ሰልፊ ሕጊ ዑቕባ ክተርርን ቁጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ክውሕድን ዝብል እማመ ዓቃባዊ ሰልፊ ካብ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ሽወደን ዓቢ ተቐባልነት ከምዝረኸበን ዳርጋ 98% ከምዝደገፍዎን እታ መጽሔት ሓቢራ። ማሕበራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሽዱሽተ ካብቶም ዓሰርተ ኣባላት ማሕበራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ዝኾኑ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ሽወደን እቲ ናይ ኢሚግሬሽን ሕጊ ከምዘለዎ ክጸንሕ ዝብል ርእይቶ ኣለዎም።
15% ካብ ኣባላት ሰልፊ ድማ እቲ ሕጊ ኢሚግሬሽን ክፎክስ ዝብል ርእይቶ ኣለዎም። ማእከላይ ሰልፊ ካብ ኣባላት’ቲ ሰልፊ ዝኾኑ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ሽወደን እቶም 26% ንሕጊ ኢሚግሬሽን ኣመልኪቶም ከምዚ ዘለዎ ጽኑዕ ክኸውን ኣይግባእን ክብሉ ርኢቶኦም ከቕርቡ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ 6% እቲ ሕጊ ክተርር ዝጽውዑ ክኾኑ እንከለዉ እቶም ዝተረፉ ድማ እቲ ሕጊ ከምዘለዎ ክቕጽል ዝብሉ እዮም።
ኣባላት ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ዝኾኑ ኣርባዕተ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ሽወደን ሕጊ ኢሚግሬሽን ንኽጸንዕ ይድግፉ። ሊበራላዊ ሰልፊ ሰለስተ ካብቶም ሓሙሽተ ኣባላት ሊበራላዊ ሰልፊ ዝኾኑ ሓለፍቲ ምምህዳራት ሽወደን ሕጊ ኢሚግሬሽን ንኽጸንዕ ይጽውዑ። ጸጋማዊ ሰልፊ ክልተ ካብቶም ሰለስተ ኣባላት ጸጋማዊ ሰልፊ ዝኾኑ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ሽወደን ሕጊ ኢሚግሬሽን ካብዚ ዘለዎ ክፎክስ ይጽውዑ።. ክርስትያናዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኣርባዕተ ካብቶም ሓሙሽተ ኣባላት ክርስትያናዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ዝኾኑ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ሽወደን፡ ሕጊ ኢሚግሬሽን ክጽንዕ ይጽውዑ።