ሓደ መዓልቲ ድሕሪ መስርሕ ምምላስ ክፍሊት ግብሪ ምኽፋቱ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሽወደናውያን ብመንገዲ ኤሌክትሮኒካዊ ደብዳቤ ከም ዘመልከቱ ተፈሊጡ።
ኣብዚ ዓመት’ዚ ዘመልከቱ ሽወደናውያን፡ 1 ሚልዮንን 40 ሽሕን ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ እቲ ቁጽሪ፡ 766 ሽሕ ምንባሩ ይዝከር ክብል ቤት ጽሕፈት ኤጀንሲ ግብሪ ሽወደን (ስካትቬርከት) ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
ክንዲ’ዚ ዝኣኽሉ ሰባት፡ ኣብ ሓጺር እዋን ከመልክቱ ምኽኣሎም፡ ሰባት ብመንገዲ ኤሌክትሮኒካዊ ደብዳቤታት (Digital Mailbox) ብብዝሒ ክጥቀሙ ምጅማሮም እዩ ዘርእየካ ክብል እቲ ኤጀንሲ ገሊጹ።
ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ክሳብ ዕለት 30 መጋቢት ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣስታት 8.1 ሚልዮን ሽወደናውያን ከመልክቱ ትጽቢት ይግበር። ዝኾነ ሰብ፡ ብዘይ ዝኾነ ለውጢ ወይ ወሰኽ ከም ዘለዎ እንተድኣ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ናይ ግብሪ ተመላሲ ገንዘብ ክቕበል ክኽእል እዩ።