ብ ማእከላይ ገምጋም ዓቀን ደምና 140 ወይ ድማ ካበኡ ንላዕሊ ምስ ዝከውን ልዑል ጸቕጢ ደም ክንብሎ ንክእል። ሎዑል ጸቕጢ ደም ጠንቂ ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ልብን ጅማውትን ሕማማት እዩ። እንድሕር ደኣ ነዞም ዝስዕቡ ምክርታት ተኸታቲልናዮም ብሕማም ልቢ ወይ ድማ ናይ ጅማውቲ ሕማማት ክንሓምም ዘሎ ተኽእሎ ይጎድል ።ሓሓደ ጊዜ እውን ልዑል ጸቕጢ ደም በዞም ዝስዕቡ ኣገባባት ክጎድል ይክእል እዩ።
• ሽጋራ ምትካኽ ምቁራጽ ኣዝዩ ኣገድሲ እዩ ።ሽጋራ ምትካኽ ንልብናን ጅማውቲናን ኣዝዩ ሃሳዪ እዩ።
• እኹል ዝኮነ ኣካላዊ ምንቅስቃስን ምዝንጋዕን ክንገብር ኣሎና ።እንተወሓደ 5 ግዜ ኣብ ሰሙን ንልዕሊ ፍርቂ ሰዓት ብቁዕ ዝኮነ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ምግባር ።ንኣብነት ቀጻሊ ብእግሪካ ዎኪን ምግባር፡ብሽክሌታ ምዝዋር ፡ ኣብ ገዛና ጀርዲን እንድሕር ደኣ ኣልዩና ኣብኡ ምስራሕ፡ኣብ ክንዲ ብሊፍት ብኣስካካ ኣስካላ ምኻድ ከምኡ እውን ምሕንባስ ።
• ጥዑይን ዝተመጣጠነን መግቢ ምምጋብ ፡ብዙሕ ኣሕምልትን ፍሩታታትን ምምጋብ፡ ብዙሕ ጨውን ስብሕን ዘሎዎም መግቢታት ዘይ ምምጋብ፡ ምቁራት ነገራት ዘይ ምውሳድ
• ኣንድሕር ደኣ ከስዓት ኮይና ድማ ጥዑይን ዝተመጣጠነን መግቢ ብምምጋብን እኹል ዝኮነ ኣካላዊ ብምንቅስቃስ ብምግባርን ክብደትና ከነጉድል( እንተወሓደ ሓደ ሰዓት ኣብ መዓልቲ ኣካልዊ ምንቅስቃስ ምግባር )።
• ብዙሕ ጭንቀት እንድሕር ደኣ ኣልዩና ድማ እቲ ጭንቀት ብከመይ ከም ዝመጸና መጽናዕቲ ክንገብርን እንድሕር ተኻኢሉ ድማ ንምውጋዱ ዝሕግዙ ስጉምትታት ክንወስድ ይግባእ።ሓኪምና ጠንቂ ጭንቀትና ኣብ ምፍላጥ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።ሓደ ሓደ ግዜ እውን ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሰራሕተኛ ወይ ናይ ኣእምሮ ክኢላ ኣብ ቀጻሊ ክሕግዘና ይክእል እዩ።
ጸቕጢ ደም ንምጉዳል ዝውሰዱ መድሃኒታት ኩሉ ጊዜ ኣድለይቲ ኣይኮኑን ።ጸቅጢ ደምና ኣዝዩ ሓደገኛ ምስ ዝከውን ኩሉ ግዜ መሃኒታት ነቲ ጸቅጢ ደም ንምጉዳል ምውሳድ ኣድላዪ ኢዩ።
ምንጪ:Eritreeërs Gezond