ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሽወደን፥ ኣብ ልዕሊ ፖለቲከኛ ሰልፊ ዴሞክራሲ ዝተበየነ ክሲ ሰሪዝዎ። እዚ ፖለቲከኛ ን ሓደ ህዝቢ
ኣመልኪቱ ናይ ጽልኢ መደረ ብምግባሩ እዩ ተኸሲሱ ኔሩ። ኣብ ሶምላንድ ዞባዊ ፖለቲከኛ በርቲል ማልምበሪ፥ ኣብ ሚያዝይ
2021 “ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ምስ ኣህዛብ ካልኦት ሃገራት ኣወዳዲርካ ዝተሓተ ብቕዓት እእምሮ (IQ) እዩ ዘለዎም” ክብል ኣብ
ኣኼባ ቆንስል ብዘስምዖ መደረ እዩ ተኸሲሲ ኔሩ። እንተኾነ ግና፥ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ “መደረኡ ንሓደ ህዝቢ ዘዋርድ እኳ
እንተኾነ፥ ናጻን ክፉትን ክትዕ ምክያድ ኣብ ፖለቲካዊ ምትእኽኻብ ዘለዎ ዝዓዘዘ ተራ ኣብ ግምት ብምእታው” እቲ ክሲ ክስረዝ
ጌሩ ምህላዉ፥ ሲሲልያ ሬንፎርት ኣመልኪታ።
ሓላፊ ናይቲ ብዘይመኽሰብ ዝዓዪ ትካል “ማእከል ፍትሒ” ፍረደሪክ በሪማን "ኣብ ፖለቲካዊ መደረ ናይ ጽልኢ ኣላት ኣዝዩ ኣዝዩ
ከቢድ ገበን እዩ” ድሕሪ ምባል “ፖለቲከኛ መደረ ኣብ ዝህበሉ እዋን፥ ንሓደ ጒጅለ ወይ ህዝቢ ከዋርዱ ይኽእሉ እዮም ኢሉ
ንዝሓስቦም ቃላት ዘለዎም ሕጋዊ ሳዕቤን ከይፈርሐ ክድርጒሖም ኣለዎ ዝብል መልእኽቲ እዩ በዚ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ
ተመሓላሊፉ ዘሎ” ኢሉ።
ፖለቲከኛ ማልምበር፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናጻ ኣባል “ዞባዊ ቆንስል ሰርምላንድ” ኮይኑ፡ ኣቐድም ኣቢሉ እውን ኣብ ምምሕዳር
ከተማ ትረሰ መራሒ ስልፊ ዴሞክራሲ እዩ ኔሩ። እንተኾነ ግና በዚ ኣከራኻሪ መደረኡ፥ ካብ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ከም
እተሰጐጐ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ። እዚ መደረ ማልምበሪ፥ ኤጀንሲ ስደተኛታትን ደቡብ ሱዳናውያን ናብቲ ዞባ ከስፍር ምዃኑን
ኣመልኪቱ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ክትዓት ዝተዋህበ እዩ ኔሩ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተኸሳሲ ን ሃቐና መደረኡ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ናይ
መከላኸሊ ምጒት በቲ ዝገብርዎ መርመራ ከም እተደገፈ ገሊጹ’ሎ።
“እዚ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝተዋህበ ውሳነ፥ ምድኻም ሕጊ ዓሌታዊ መደረ ብሓደ ወገን፥ ምጥንኻር ፖለቲካዊ ናጻ መደረን እዩ
ክበሃል ይከኣል እዩ” ክብል በሪማን ዘለዎ ቅረታ ኣስሚዑ’ሎ።