ብመሰረት ባይቶ ሃገረ ላትቪያ ዘጽደቖ ሓድሽ ሕጊ፡ ካብ ዕለት 15 ሕዳር ጀሚረን፡ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ኩባንያታት፡ ንዘይተኸትቡ ኣባላተን ካብ ስራሕ ከባርራሉ ዝኽእላ ስልጣን ከምዝረኸባ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ሃገረ ላትቪያ፡ ሓንቲ ካብተን ብለበዳ ኮቪድ-19 ብኸቢድ ዝተጠቕዓ ሃገራትን፡ ብሰንኪ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና እታ ሃገር ዝተፈጥረ ልዑል ጸቕጢ፡ ካብ ካልኦት ኤውሮጳውያን ሃገራት ሓገዝ ዝሓተት ሃገር እያ።
61% ካብ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ዜጋታት እታ ሃገር ጥራይ ዝተኸትቡ ምዃኖምን ምስ ማእከላይ ገምጋም ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ማለት 75%፡ ክነጻጸር እንከሎ፡ ዝወሓደ ምዃኑ ይፍለጥ።
እዚ ዝጸደቐ ሓድሽ ሕጊ፡ ነቶም ክኽተቡ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ሰባት ዕላማ ዝገበረ ኮይኑ፡ እዞም ሰባት እንተክኢሎም ካብ ገዝኦም ክሰርሑ ወይ ድማ ብዘይ ደሞዝ ደስኪሎም ንኽጸንሑ እዩ እቲ መልእኽቲ። እዞም ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ክኽተብ እንተዘይክኢሎም፡ እቲ ዝሰርሕሉ ኩባንያ፡ ካብ ስራሕ ከፋንዎም መሰል ከምዘለዎ ተገሊጹ።
እዞም ክኽተቡ ዘይደልዩ ሰባት፡ ንዝህብዎ ኣገልግሎት ብቑዓት ኣይኮኑን ክብል ጸብጻባት መንግስቲ ላትቪያ ገሊጾም።
ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚታት፡ እዚ ሕጊ፡ ክስገር ከምዝኽእል፡ መንግስቲ ላትቭያ ገሊጹ።