ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንደ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ነቲ ቱርኪ ሽወደን ኣባል ነቶ ከይትኸውን ድምጺ ብድምጺ ናይ ምውዳቕ መሰላ ተጠቒማ እትገብሮ ዘላ ተቓውሞ ኣመልኪታ ምስታ ሃገር ዘለዋ ዘይምርድዳእ ክትፈትሕ ድሌት ከም ዘለዋ፡ ኣብ ባይቶ ሽወደን ኣብ ዘካየደቶ መደረ ገሊጻ’። ሽወደን ኣባል ኔቶ ምዃና፡ ኣብ ጸጥታ እቲ ውድብ ጥራይ ዘይኮነ ጸጥታ ቱርኪ እውን ኣብ ምውሓስ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣመልኪታ። ሽወደን፡ “ግብረሽበራውያን” ተባሂሎም እተወገዙን ኣንጻር መንግስቲ ቱርኪ ዝቃለሱን ውድባት ትሕግዝ እያ ብምባል፡ ቱርኪ ን ኣባላነት ሽወደን ኣብ ኔቶ ኣበርቲዓ ክትቃወም ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ።