ኣኽበርቲ ሕጊ ሊብያ ንወዲ ቀዛፊ: ሰይፍ ኣልኢስላም: ምስ ዕሱባት ሩስያ ርክብ ኣለካ ዝብል ክሲ ከም ዘቕረበሉ ቢቢሲ ሓቢራ።
ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ሊብያ ዝተፈጸሙ ገበናት: ምስቲ ምስ ሩስያ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዎን ብሕቡእ ዝንቀሳቐስ: ጒጀለ ቫግነር: ርክብ ከም ዘለዎም ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራዊ ፕሮግራም ምቅልዑ ዝዝከር እዩ።
ተቓለስቲ ሩስያ: ፈለማ ኣብ 2019 እዮም ናብ ሊብያ ኣትዮም። ኣብታ ዓመት ድማ ምስ ተቓላሳይ: ኻሊፋ ሓፍጣር: ርክባት ብምፍጣር ነቲ ኣብ ትሮፕሊ ዝተተኽለ መንግስቲ ከጥቅዑ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ።
ጒጅለ ቫግነር: ካብ 2014 ጀሚሩ ነቶም ኣብ ዩክሬን ዝንቀሳቐሱ ተገንጸልቲ ጒጅለታት ኣብ ምሕጋዝ ተዋፊሩ ምጽንሑ ጸብጻባት የመልክቱ።
ሰይፍ ኣልኢስላም: ምስዚ ጒጅለ ርክብ ኣለዎ ብዝብል እዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ተጌሩ ዘሎ። ሰይፍ ኣልኢስላም: ኣቐድም ኣቢሉ እውን ምስ ሩስያ ርክብ ኣለዎ ብዝብል ክጥርጠር ጸኒሑ እዩ።
እንግሊዝኛ ኣጸቢቑ ዝመልኽን ኣብ ዝተኸብረ London School Of Economics ዝተማህረን ሰይፍ ኣልኢስላም: ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ጸለውቲ ሰባት ሊብያ ተባሂሉ ከም ዝሕሰብ: ምናልባት እውን ነብኡ ክትክእ ዝኽእል ንሱ እዩ ዝብል እምነት ኣብ ሊብያ ምንባሩ እዩ ዝግለጽ።