ሊበራላዊ ሰልፊ፡ ካብ ዓመተ 2021 ዝጅምር፡ ክልተ ቢልዮን ዝዋግኡ ወፍሪ ምምሕያሽ ሳንኩፍ ከባቢታት ንኸተግብር መዲቡ ኣሎ። እቲ ገንዘብ ንምምሕያሽ ጽላታት ትምህርቲ፡ ኣከባብን ናይ መንባብሮ ጭቕጭቕን ዝውዕል ምዃኑ ሓቢሩ።
እዚ እማመ፡ ኣካል ናይቲ ናይ ቀውዒ ባጀት ንምሕታት ምስ መንግስቲ ዝግበር ዘተ ምዃኑ እቲ ሰልፊ ኣፍሊጡ።
ካብቲ ንጽላት ትምህርቲ ዝተሓዝአ መጠን ገንዘብ፡ ዓመታዊ 500 ሚልዮን ክሮነር፡ መምህራን ጥጡሕ ዝኾነ ናይ ስራሕ ኩነታትን ኣከባብን ንኽፍጠረሎም ዘኽእል ባይታ ንምፍጣር ክኸውን እዩ። ዓመታዊ 100 ሚልዮን ክሮነር ድማ፡ ኣባላት ቅድመ ትምህርቲ ዝኾኑ ሰባት ምልከት ቋንቋ ክህልዎም ዝሕግዙ ኣገባባት ንምትእትታውን ንዝኣመሰሉ ዕላማታት ከም ዝስላዕ እቲ ሰልፊ ሓቢሩ።
ኣብ ጽላት ኣከባቢ ዝውዕል ድማ ናይ 600 ሚልዮን ክሮነር ተመዲቡ ከምዘሎ እቲ ሰልፊ ብምውሳኽ ሓቢሩ።
ኣብ መነባብሮ ዝፍጠር ምጭቕጫቕ ንምቕናስን፡ መንእሰያት ንዘጋጥሞም ዘሎ ናይ መንበሪ ጸገማት ንምፍታሕ ተባሂሉ ሊበራላዊ ሰልፊ፡ ነቲ ንመሰል መንእሰያት ዝጣበቕ ትካል LVU ናይ 770 ሚልዮን ክሮነር ድጎማ ክገብር ወሲኑ ኣሎ።