ለጻይቶ ሕማም ናይ ጸጉሪ ኮይኑ ፡ብሃንደበት ምጥፋእ ጾጉሪ ምስዝረግፍ ይፍጠር።እዚ ተርእዮ ምርጋፍ ናይ ጾጉሪ(ለጻይቶ) ኣብ ማእከል ጥዑይ ዝኾነ ጾጉሪ የጋጥም ። ብገምጋም 2ተ ካብ 100 ሰባት ኣብ ጉዕዞ ሂወቶም ለጻይቶ የጋጥሞም።ለጻይቶ
ኣብ ኩሉ ደረጃ ዕድመ ዝርኤ ሕማም ጾግሪዩ , ወላውን ኣብ ህጻናት እንተኾነ ። ለጻይቶ መብዛሕቱ ግዜ ኣብ ነኣሽቱ መንእሰያት ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን ብብዝሒ ይርኤ። ገለ ሰባት ለጻይቶ ሓደ ግዜ ከጋጥሞም እንከሎ,እንተኾነ ግን ንብዙሓት ሰባት መብዛሕቱ ግዜ ደጊሙ ይምለሶም።ለጻይቶ
ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ኣይኮነን።
ለጻይቶ መብዛሕቱ ግዜ ኣብ ጾጉሪ ርእስና ዝርኤ ኮይኑ ከቢብ ወይ ናይ እንቓቑሖ ቕርጺ ዝሓዙ እዮም።ልዕሊ ፍርቂ
(50-80%)ለጻይቶ ካብ ዝሓዞም ሰባት ዝተመልጠ ቦታ ኣብ ውሽጢ ዓመት ጾጉሮም ይቦቁል። ኣመጋግባ,ከኒና ናይ ቪታሚን,ብመልክዕ ከኒና ወይ መርፍእ ዝውሰድ ንናይ ስርዓተ ምክልኻልና ዝጸቅጥ መድሃኒት ,ሎሽን,ክሬምን ,ሻምፖን ምጥቃም፡ ኣንጻር ለጻይቶ ዝሰርሕ ኣይኮነን።
ለጻይቶ ምናልባት ሓደ ካብ ሕማማት ስርዓተ ምክልኻል ኣካላትና፡ ኣንጻር ናይ ባዕልና ኣካላት ናይ ምክልኻል መስርሕ ምስዝጅምር ዘጋጥም ሕማም እዩ ።(ሕማም ባዕላዊ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላት ) ክብሃል እንከሎ ስርዓተ ምክልኻል ኣካልና ኣንጻር ናይ ባዕልና ኣካላት ዝተፈላለዩ ጸረ ነብሳት ብምንዛዕ ኣንጻርና ምስዝቃለስ ዝርኤ ሕማምዩ።
ኣብ ናይ ሕማም ለጻይቶ ፡ ኣካላትና ነቶም ከረጺት/ሱር ናይ ጾጉሪ ከምዘይ ክፋል ኣካላቱ ይርእዮም’ሞ ፡ኣካላትና ነዞም ከረጺት/ሱር ጾጉሪ ካብ ኣካልና ይነጽጎም።
ለጻይቶ ብብዝሒ ምስ ሕማም ናይ ባዕላዊ ስርዓተ ምክልኻል ኣካላት ዘለዎም ሰባት ብብዝሒ ይርኤ፡ከም ሕማም ለምጺ፡ቀይሕ ዝርግሔ ዘለዎ ዝነደረ ቆርበት ከምኡውን ሕማማት ጉሩንጉሪት ። ለጻይቶ ምስ ኣለርጂ/ቁጥዔ ናይ ኣፍንጫ ዘለዎም ሰባት፡ኣዝማ፡ከምኡውን ኣለርጂ/ናይ ቆርበት ምስ ዘለዎም ሰባት እንተኾነ ብብዝሒ ይርኤ ። ኣብ ገለ ስድራቤታት ለጻይቶ ብብዝሒ ይርኤ። ተወርሶ ምስ ለጻይቶ ዝጻወቶ ግደ ክህልዎ ይኽእል።ጠንቂ ለጻይቶ ጉድለት/ዋሕዲ ቪታሚን ወይ ጭንቀት ምኻኑን ዘይምኻኑን መረጋገጺ የልቦን።
ካልኦት ጠንቕታት ምስሓው/ ምርጋፍ ጸጉሪ
¤ እንተድኣ ምርጋፍ ጸጉሪ ኣጋጢሙና ፡ጠንቅታቱ ካልኦት ነገራት ክኾኑ ይኽእሉ።ንኣብነት
¤ ረኽሲ ፋንገስ ኣብ ቆርበት
¤ በሰላ ገዲፎም ዝኸዱ ገለ ሕማማት ቆርበት
ከም ብዓል ሕማም ስክለሮደርሚ (ሕማም ድርቀትን ምጭባጥን ቖርበት ከምኡውን መላግቦ ኣካላትን) ፡ፍንጣጣ,ተሪር ቑኖ፡ተሪር ምእሳር ጸጉሪ፡ ምጥቃም መንቀርቀር ጸጉሪ፡ ጸጉሪ ሻል ምጥቃም ፡ ጾጉሪ ብዕማ ጠምጢምካ ምሽፋን፡መናውሒ
ጾጉሪ ምጥቃም ወይ ምስፋይ ከምኡውን ፡ጾጉሪ ምስሓብ።
ኣጋጣሚ ኾይኑ ክሳብ ሎሚ ኣንጻር ለጻይቶ ዝግበር ኣገባብ ኣፈዋውሳ ክሕግዘና ከምዝክእል ዝኾነ መረጋገጺ የልቦን።። ብርግጽውን ንነዊሕ እዋን ምስእንጥቀም ውጽኢት ኣይህልዎን። ዝውሰዱ መድሃኒት ሕማቕ ሳዕቤናት ከገብሩልና ይኽእሉ ።ስለዚ’ዩ ድማ ሓካይም መድሃኒት ኮነ ካልእ ኣገባብ ኣፈዋውሳ ክእዙዙልና
ዘይመርጽዎ።
ለጻይቶ ብምህላውና ሕማቕ ዝስምዓና እንተድኣ ኮይኑ ፡ ብምሽፋን ወይ ብምምስሳል ናይ ስነ ኣእምሮኣዊ ¤ ዕግበት ክህልወና ይኽእል።
ን ኣብነት:
¤ ቅብዕ ወይ ብ ሻል ምሽፋን
¤ ኣርትፊሻል ጸጉሪ ምውዳይ ወይ ምጥባቕ
¤ ጸጉሪ ቕርኒብ ዓይኒ ምስዝረግፍ
ኣርትፍሻል ጸጉሪ ምጥባቕ
¤ ጸጉሪ ዓይኒ ምስዝረግፍ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ዝኽእል ሜክኣፕ ምጥቃም።
ብሰንኪ ለጻይቶ ናይ ስነ ኣእምሮ ጸገማት እንተድኣ ኣጋጢሙና ከም ፍርሒ ኮነ ሕፍረት ፡ምጉዳል ርእሰተ ኣማንነት ድኣመሰሉ ኩሉ ግዜ ምስ ሃውዝኣርትስ ብኸመይ መፍትሒ ንረኽበሎም ንመያየጥ ።ካብ ተሓጋጋዚ ሓኪም ብኸመይ ንኸይድ ውን ክንመሃር ንኽእል። ምኽሪ ወይ ምክትታል ናይ ስነልቦና ክኢላ ክንረክብ ንኽእል።
ለጻይቶ ብሃንደበት ምስዝወጸና ? ናብ ሓኪምና ማለት ሃውዝኣርትስ ብምኻድ ጸገማትና ብምንጋር ሓኪም ና ብኸመይ ይሕግዘና ይውጥንን ምስሳና ውን ይመያየጥ ።
ምንጪ: Eritreeërs Gezond