ኣንጻር ኮቪድ-19 ንዝክተቡ ተቀማጦ ሆንግ ኮንግ: ከም መተባብዒ ተባሂሉ 1.2 ሚልዮን ክሮነ ዝዋግኡ ህንጻ: ብመልክዕ ዕጫ ክዕደል ምዃኑ: ሲኖ ግሩፕ ዝተባህለ ኩባንያ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
7.5 ሚልዮን ተቀማጦ ዘለዋ ሆንግ ኮንግ: ካብ 5 ሰባት: 1 ጥራይ ንክኽተብ ድሉው ብምዃኑ: ነዚ ቁጽሪ ንምዕባይ ተባሂሉ: እዚ መስርሕ ዕጫ ከምተዳለወ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ብዘይካ እዚ ህንጻ: ን 20 ዝተኸትቡ ሰባት ዝውዕል ናይ 800 ሽሕ ክሮነ ዕጫ ክዕደል ምዃኑ: እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ሓቢሩ።
ሆንግ ኮንግ: ሓንቲ ካብተን ንኹሎም ልዕሊ 16 ዝዕድሚኦም ዜጋታታ ዝኸውን ብልቃጥ ክታበት ዘውሓሰት ሃገር ምዃና ይፍለጥ።
ቁጽሪ ዝተኸትቡ ዜጋታት ሆንግ ኮንግ ትሑት ዝኾነሉ ምኽንያት: መጠን መልከፍቲ ኮሮና ኣብቲ ሃገር ትሑት ኣብ ርእሲ ምዃኑ: ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ’ታ ሃገር: ዘለዎም እምንቶ ውን ትሑት ብምዃኑ እዩ ክብል እቲ ጸብጻብ ደምዲሙ።