ኣብ ኦፕሳላ ተዶኲኑ ዝርከብ ሆስፒታል ኣካደሚስካ (Akademiska Sjukhuset)፡ ብሰንኪ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ ኮሮና፡ እንትርፎ ህጹጽ ንዝኾነ እምበር ንኽጸንሕ ዝኽእል መጥባሕቲ ከምዘየካይድ ሓቢሩ ክብሉ ሬድዮ ሽወደንን SVTን ገሊጾም።
ኣባላት ናይቲ ሆስፒታል፡ ብፍላይ እቶም ኣብተን ኣብዚ ሕጂ እዋን ተዓጽየን ዘለዋ ጨናፍር 100/101 ዝሰርሑ፡ ብኮሮና ከምዝተለኽፉ እኳ እንተተፈልጠ፡ እቲ መልከፍቲ፡ ኣብ ውሽጢ ስራሕ ድዮ ወይስ ካብ ደገ ዘጋጠመ ምዃኑ ኣይተፈልጠን። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ኦፕሳላ፡ ብዘሰክፍ ኣገባብ ይምዕብል ኣሎ ክትብል ኣደ ወንበር ቤት ጽሕፈት ሽማግለ’ቲ ምምሕዳር፡ ሞሊን ሆግሪል፡ ሓቢራ።
ሆስፒታል ኣካደሚስካ፡ ናብ እዋን ህጹጽ ኣዋጅ ሓደጋ ኣብ ቀረባ እዋን ክሰጋገር ከድልዮ እዩ። ኣብቲ ሆስፒታል ዝረአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና እናዛየደ ይኸይድ ኣሎ። ቁጽሪ ሕሙማት ኮቪድ-19፡ ብሃንደበት ሎሚ፡ ናብ 20 ሰባት ብምብጽሑ፡ ሎሚ ኣኼባ ከነካይድ ኢና ክብል ሓላፊ ምክልኻል ለበዳ’ቲ ምምሕዳር፡ ዮሃን ኖድ፡ ገሊጹ።
እቲ ሆስፒታል፡ ብዛዕባ እዚ ውሳኔ ኣመልኪቱ፡ ትማሊ ሰሉስ፡ ንኣባላቱ ከምዝሓበሮም ኣፍሊጡ።