ሃገረ ሆላንድ፡ ዝበዝሑ ካብ ቀይድታት ኮቪድ፡ ከምእንደገና ከተተኣታቱ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር፡ ማርክ ሩተ፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ገለ ካብቶም ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ተመዲቦም ዘለዉ ቀይድታት፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት፡ ማስክ ምውዳይን ናይ ኮቪድ ፓስፖርት ምሕታትን ኣብ መንጎ ሰባት፡ ናይ ሓደን ፈረቓን ሜትሮ ምርሕሓቕን ዝኣመሰሉ እዮም።
እቲ ቀንዲ ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ፡ ኣብ ዝሓልፉ ሳምንታት፡ ብዝሒ ናይ መልከፍቲ እናበዘሐ ብምምጽኡ እዩ።
በዓል መዚ ጥዕና ሆላንድ፡ ትማሊ ሰሉስ፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ ብዝሒ ናይቶም ዝተለኽፉ ሰባት ብ39%፡ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝግበረሎም ዘለዉ ድማ ብ31% ከምዝወሰኸ ሓቢሩ።
ሰባት፡ እንተወሓደ ፍርቂ ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታቶም፡ ብዝተኻእሎም መጠን፡ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሕዎን ካብቲ ኣብ እዋን ፍዳሰ ዝፍጠር ናይ መጓዓዝያ ጽቕጥቅጥ ውን ክድሕኑ ይግባእ ክብል፡ ሩተ፡ መኺሩ።
ለበዳ ኮቪድ-19 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣብታ 17 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ሃገረ ሆላንድ፡ 18,500 ሰባት፡ ብሕማም ኮቪድ ዘስዓቦ ጥዕናዊ ሕልኽላኻት፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈልዮ፡ ጸብጻባት ጥዕና እታ ሃገር ይገልጹ።