ጻዕቂ ሰብ፡ ሕማቕ ምግብን፡ ሕጽረት ጽሩይ ክዳውንትን ጸቕጥን ነቶም ብዘይ ስድራ ናብ ኣሜሪካ ኣትዮም ናብ ግዝያዊ መንበሪ ኣባይቲ ዝኣተዉ ህጻናት ብኸቢድ ጸልይዎም ከምዘሎ እቲ 17 ነጥብታት ሓዚሉ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ምስክርነት ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።
እቶም ምስክርነቶም ዝሃቡ ህጻናት፡ ደቂ 9 ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድሚኦም ኮይኖም ካብ ጓቲማላ፡ ሆንድራስን ኤልሲልቫዶርን ዝመጹ እዮም። እዞም ህጻናት፡ ኣብ ሓላፍነት መንግስቲ ኣሜሪካ ዝኾነ ግዝያዊ መንበሪ ኣባይቲ ንኣዋርሕ ከም ዝተሓየሩ ገለ ወገናት ይሕብሩ።
እቲ ዝቕረበልና መግቢ ብጣዕሚ ሕማቕ እዩ ዝበለት ጓል 13 ዓመት ሆንደረሳዊት ቆልዓ፡ ትማሊ ዝተቐረበልና ሃምበርገር፡ ብሰንኪ እቲ ባኒ ሽታ ምግባሩ፡ ከይበላዕኩዎ ገዲፈዮ፡ ጽሟቕን ጀላቶን ጥራይ ተቐሊበ ክትብል መረረኣ ገሊጻ።
ኣብ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ዝርከቡ ብዘይ ስድራ ቤቶም ዝማጹ ስደተኛታት ቆልዑ፡ ቁጽሮም እናወሰኸ ይመጽእ ብምህላዉ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ተቐላጢፉ ሓደስቲ ኣባይቲ ክሃንጽ ይግባእ።
ኣስታት 14500 ብዘይ ስድራ ቤቶም ዝማጹ ስደተኛታት ቆልዑ፡ ኣብ ኢድ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ጉዳያት ኣሜሪካ ከም ዘለዉ ይፍለጥ።