ሊ ያንግ-ጆ፡ ናብቲ እትእሰረሉ ሸላ እናተፉሓኾት ምስ በጽሐት እግራ ኣጣሚራ፤ ኣእዳዋ ድማ ኣብ ልዕሊ ብርካ ገይራ ኰፍ ክትብል ተኣዚዛ።
ከምዚ ኢላ ኣብ መዓልቲ ን12 ሰዓታት ክትጸንሕ ትግደድ፤ ፍሒት ክትብል ፈጺሙ ኣይፍቀደላን።
ኣብ ጎኒ እቲ ዘላትሉ ሸላ [ክፍሊ] ናብ ዘለው ሰባት ሕሹኽ እንተይላ ከቢድ መቕጻዕቲ ይወርዳ።
ማይ ብውሑዱ’ያ ትረክብ፤ እትበልዖ ንኡሽቶ መግቢ’ውን ይውሃባ።
ኣብቲ ግዜ፡ “ከም ሰብ ዘይኮነ ከም እንስሳ’ዩ ዝስምዓኒ ነይሩ” ትብል።
ዳርጋ ኩሉ ሰብ ከም ንቡር ዝወስዶን ዝገብሮን ብምግባራ፡ ንሰዓታት መርመራ ተገይሩላ፤ እንታይ ኣቢሳ እንተይልኩም፡ ካብ ሃገር ጥራይ እያ ወጺኣ።
ብ2007፡ ሃዲማ ካብታ ሃገር ወጺኣ፤ ግን ኣብ ቻይና ተታሒዛ ተመሊሳ።
ንሰለስተ ኣዋርሕ ፍርዲ እናተጸበየት ኣብ ጥቓ ዶብ ቻይና ኣብ ዝርከብ መዳጎኒ ኦንሶንግ ጸኒሓ።
BBC TIGRINJA