ኣብ ርእሰ ከተማ ህንዲ፡ ደልሂ፡ ንኣፈኛ ሰልፊ BJP ነበር፡ ሓዊስካ 6 ሰባት ጸረ እስላማዊ ጭርሖታት ብምልዓሎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎም ተገሊጹ።
ኣባላት ጸጥታ ህንዲ፡ ኣብ ኒው ደልሂ፡ ከባቢ ጃንታ፡ ኣብ ተጠንቀቕ ኣለዉ ተባሂሉ። እዚ ብ ጠበቓ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን መራሒን BJP፡ ኣሽዊኒ ኣፓድየይ፡ ከም ዝተሃንደሰ ዝንገረሉ ዘሎ ጸረ ኣስላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ፈለማ፡ ናይ ዘመነ መግዛእቲ ሕጊታት ክስረዙ ብዝብል ከም እተጀመረ ተሳተፍቲ ገሊጾም ኣለዉ።