ሕሙማት ኮቪድ-19 ብጻዕቂ ኣብ ዝእለዩሉ ዘለዉ እዋን፡ ክቱር ሕጽረት መተንፈሲ (ኦክሲጂን) ምግጣሙ፡ ሆስፒታላት ደልሂ ብሓባር፡ መንግስቲ፡ ነዚ ሽግር ብህጹጽ ክፈትሕ ጻውዒት ኣቕሪበን ኣለዋ። እዚ ቅልውላው ክልተ ቕነ እኳ እንተገበረ፡ ዛጊት ዝኾነ ዓይነት ፍታሕ ኣይረኸበን።
ኣብ ሓደ ፍሉጥ ሆስፒታል ደልሂ፡ ብቐዳም ጥራይ፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ኦክሲጂን ሓደ ዶክተር ዝርከቦም ብውሕዱ 12 ሕሙማት ምሟቶም ተገሊጹ። ብሰንኪ ብዝሒ ሕሙማት፡ ዓራውቲ ስለዝተሳእነ፡ ገሊኣቶም ኣብ በረንዳን ቀጽርን ሆስፒታል ይእለዩ ምህላዎምን ስድራቤት ናይዞም ሕሙማት፡ ብኢድ ዝተሓዝ ዕትሮ ናይ ኦክስጅን ንምርካብ፡ ክሳብ 12 ሰዓታት ሪጋ ይሕዙ ምህላዎም ቢቢሲ ሓቢራ። ብርክት ዝበላ ሆስፒታላት ደልሂ፡ ዘለወን መተንፈሲ ይጥቀማ ብምህላወን ንህጹጽ እዋን ረዲኤት ዝኸውን ቅሙጥ ኦክስጂን ከም ዘይብለን እዚ ድማ ነቲ መጠን ሞት ክውስኽ ጠንቂ ይኸውን ምህላዉን ተመልኪቱ።
ሓደ ዶክተር ደልሂ ነዚ ኲነታት “ኣዝዩ ዘፍርህ እዩ፡ ሓንሳብ ዕትሮ መተንፈሲኻ ምስ ወዳእካ ድሕሪኡ ምንም ዕድል የብልካን” ክብል ገሊጽዎ’ሎ። ኣብ ንእስ ዝበላ ሆስፒታላት እቲ ሽግር ዝበኣሰ ምዃኑ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ትማል ሰንበት ጥራይ 20 ሽሕ ሓደስቲ ሕሙማት ኮቪድ-19 ከም እተመዝገበን 407 ድማ ከም ዝሞቱን ጸብጺቡ’ሎ።