ህንዲ፡ ብለበዳ ኮሮና ብኸቢድ ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት እኳ እንተኾነት፡ ዓመታዊ ብተኸተልቲ ሃይማኖት ሂንዱ ዝጽንበል ፈስቲቫል ብርሃናት (ዲዋሊ) ኣብ ህንዲ ብድሙቕ ብርሃናት ተኸቢሩ ከም ዝወዓለ ተገሊጹ።
ብጸሎት፥ ድግስን ርችትን ዝጽንበል፡ ኣውደኣመት ዲዋሊ፡ ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ዝኽበሩ በዓላት ተኸተልቲ እምነት ሂንዱ እዮም። ኣመንቲ ሂንዱ፡ ብርሃን ኣብ ልዕሊ ጸልማት፡ ጽድቂ ኣብ ልዕሊ እከይ ዝተጎናጸፎ ዓወት ንምጽንባል፡ ሽምዓ ወይ ቀንዴል ብምሓዝ ከም ዘብዕልዎ ይፍለጥ።
ኣብ ህንዲ፡ ብፍላይ ብለበዳ ኮሮና፡ ክሳብ 450 ሽሕ ሰባት ግዳያት ኣብ ዝኾኑሉ፡ ዘጨንቕ እዋን፡ እዚ በዓል ፍሉይ ትርጒም ለቢሱ ምህላዉ ካብቲ ጽንብል ዝወጹ ጸብጻባት ኣመልኪቶም።