ኣብ ኣውራጃ ምዕራብ ቤንጋል ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኮልካታ ኣብ ዝርከብ ብመንግስቲ ዝመሓደር ሆስፒታል ንዝተፈጸመ ጾታዊ ምዕማጽን ቅትለትን ሰልጠንቲ ሓካይም ብምቅዋም ትማሊ ረቡዕ ምሸት ኣብ ጎደናታት ሰልፊ ኣካይደን። እቲ ነዛ ምሸት ንበለጸላ ዝተባህለ ሰልፊ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ኮሌጅ ሕክምና RG Kar ንዝተፈጸመ ኣረሜናዊ ቅትለት ጓል 31 ዓመት መንእሰይ ኣመልኪቱ ንኣስታት ሰሙን ዝቐጸለ ርሰኡን ተቓውሞታት መቐጸልታኡ እዩ።
እታ ግዳይ ጾታዊ ምዕማጽ ዝኾነት መንእሰይ፥ ድሕሪ ናይ 36 ሰዓታት ኣድካሚ ናይ ተረኛ ስራሕ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ዝተመደበ መዕረፊ ቦታ ኣብ ሓደ ክፍሊ ሰሚናር ደቂሳ ነይራ። ንጽባሒቱ ንግሆ፡ መሳርሕታ ፍርቂ ኣካላ ዕርቃኑ ወጺኡን ብጾታዊ ዓመጽ አጒዳእቲ በጺሕዎም ረኺቦሟ። ምስቲ ገበን ብዝተኣሳሰር ሓደ ወለንተኛ ሰራሕተኛ ሆስፒታል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ እዩ። ድሕርዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዝቐረበለን ጻውዒታት ምላሽ ብምሃብ፡ ካብ ኩሉ ጽፍሕታት ህይወት ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ትማል ንዝናብ ብምጽዋር ኣብ መላእ ከተማ ኮልካታን ኣብ መላእ እታ ኣውራጃን ሰልፊ ኣካይደን።
እቲ ተቓውሞታት ብዓቢኡ ሰላማዊ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብ መንጎ ፖሊስን መንነቶም ዘይተፈልጠ ንእሽቶ ጉጅለን ብዝተፈጥረ ግጭት ከም እተዘርገ፡ እቶም ሰልፈኛታት ናብቲ ቅትለት እታ ሓኪም ዝተፈጸመሉ ሆስፒታል ኣር.ጂ ካር ኣትዮም፡ ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት ምዕናዎምን ተፈሊጡ። ፖሊስ ነቲ ናዕቢ ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሶም፥ ገለ ናይ ፖሊስ መካይን እውን ከም እተጎድኣን እቲ ሰልፊ ኸኣ ኣብ ከምኒ ደልሂ፡ ሃይደርኣባድ፡ ሙምባይን ፑነን ዝኣመሰላ ካልኦት ከተማታት ሰልፊ ተቓውሞታት ምክያዱን ቢቢሲ ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።