ህንዲ ዛጊት 20 ሚልዮን ሕሙማት ኮቪድ-19 ከም ዘመዝገበት ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን መንግስቲ እቲ ሕማም “ብዘገምታ ይንኪ እዩ ዘሎ” ምባሉ ተገሊጹ።
ሎሚ ሰሉስ ጥራይ 355 ሽሕ ሓደስቲ ሕሙማት ከም እትረኽቡ እዚ ምስቲ ክሳብ 30 ሚያዝያ ዝምዝገብ ዝነበረ ናይ 400 ሽሕ ኣሃዝ ብምውድዳር ምጒዳል ዘርኢ እኳ እንተኾነ ቊጽሪ ዝምርመሩ ሰባት እውን ጐዲሉ ምህላዉን እቲ ልክዕ ኣሃዝ ሕሙማት ካብዚ ዝበሃል ዘሎ ኣዝዩ ዝልዕል ምዃኑን እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ንካልኣይ ማዕበል ኮሮና ብግቡእ ኣብ ዝተቓለሰት ክልል ማሃራሽትራ ግና ቊጽሪ ሓደስቲ ሕሙማት ብልክዕ ከም ዝነከየ ተመልኪቱ።
እዚ እናኾነ ሕጽረት መተንፈሲ ዛጊት ምንም ፍታሕ ከም ዘይረኸበን ሕሙማት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ምህላዎምን ቢቢሲ ሓቢራ።
ህንዲ ዛጊት 222 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ ሕማም ኮሮና ምሟቶም እኳ መንግስቲ ዕላዊ እንተገነረ እቲ ልክዕ ኣሃዝ ካብዚ ኣዝዩ ዝበዝሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ተቓወምቲ ይገልጹ።