ኒርንድራ ሞዲ፡ ናብ ፖለቲካዊ መድረኽ ህንዲ ብዙሕ መብጽዓታት ሒዙ እዩ ተቐልቂሉ። ብዙሕ ዕድል ስራሕ ክፈጥር፡ ብልጽግና ከምጽእን ዘየድሊ ምጒታት ኣብያተ ጽሕፈታት ከጒድልን ከም ዝኾነ ቃል ኣትዩ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ 2014 ከምኡውን 2019 ክልተ ግዜ ዝተመርጸ፡ ሞዲ፡ ሕጂ ኣብ ሻብዓይ ዓመት ስልጣኑ ዝኣተዎ መብጽዓ ክፍጸምስ ይትረፍ ቊጠባ ህንዲ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ኣብ ቅልውላው ምህላዉ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ንሱ ናብ ስልጣን እንክመጽእ፡ ሓፈሻዊ ሃገራዊ እቶት ህንዲ ናብ 5 ትሪልዮን ከም ዘደይቦ እኳ ቃል ኣትዩ እንተነበረ እዚ ካብ ክዉንነት ዝረሓቐ ሕልሚ ምዃኑ ጸብጻባት የመልክቱ ኣለዉ።
ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ፡ ሃገረ ህንዲ፡ ካብ 200-300 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ከም ዘጋጠማ እዩ ዝግለጽ። ብዘይካ’ዚ፡ ልዑል መጠን ዝቕባበን ዓለም ለኸ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲን ዓብዪ ሻቕላ ፈጢሩ ምህላዉ ተመራማሪ ስነቚጠባ፡ ኣጂት ራንደ፡ የገልጽ። ቊጠባ ህንዲ ኣብ ኣህጒር እስያ ንቻይናን ጃፓንን ስዒቡ ዝዓበየ ምዃኑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ዓቂብዎ ዝጸንሐ ናይ 7% ቊጠባዊ ዕቤት ኣንቈልቊሉ ናብ 3.1% ወሪዱ ምህላዉ፡ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ኣብ ህንዲ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ይውስኽ ኣሎ፡ ሰደድ ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ ወሪዱ፡ ከም ባንግላዴሽ ዝኣመሰላት ሃገራት ከኣ መወዳድርቲ ህንዲ ዝኾናሉ ደረጃ ውድቀት በጺሕና ኣሎና፡ ክብል እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ሓቢሩ።