ብሰንኪ ኣሰሓሓቢ ዞባ ካሽሚር ኣብ መንጎ ህንዲን ፓኪስታንን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ክዝሕል ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ጸዊዑ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰብዓ ዓመታት ካብዝተገብሩ ዝዓበየ ስጉምቲ ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ ህንዲ፡ ብዛዕባቲ ንሳ ትቆጻጸሮ ናይ ካሽሚር ፍሉይ ርእሰ ምምሕዳር ዞባ ዝምልከት ዓንቀጽ ኣፍሪሳቶ ኣላ።
እዚ ዝስዕብ ትንታነ ዜና ከምዘብርሆ፡ ህንዲ ነዚ ስጉምቲ ክትወስድ ዝገበራ ነቲ ዝበዝሑ እስላም ዝርከብዎ ግዝኣት ምስዝተረፈ ግዝኣት ህንዲ ንምጽምባር እዩ። ከምሳዕቤን ናይዚ ስጉምቲ ናይ ሓጎስ ፈንጠዚያን በቲ ካልእ ድማ ሕርቃን ሰልፈኛታትን ፈጢሩ ኣሎ።