ዩትዩብ ን ኣዝዩ ጸላዊ ምዃኑ ዝንገረሉ ናይጀርያዊ ሰባኺን ናይ ቲቪ ወንጌላዊን TB Joshua ብምኽንያት “ጽልኢ ዘሳውር ፕሮግራማቱ” ሕሳቡ ክዓጽዎ ምውሳኑ ኣፍሊጡ።
ሓደ ብመሰል ደቂ ሰብ እቃለስ እየ ዝብል ውድብ ድሕሪ ዘቕረቦ ክሲታት እዩ ዩትዩብ ኣብዚ ውሳነ በጺሑ ዘሎ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ። ብመሰረት እዚ ጸብጻብ ጆሹዋ ን ግብረ ሰዶማውያን ካብ “ሕማሞም” እናፈወሰ ዘርእያ ሸውዓተ ቪድዮታት ከም መርትዖ ምቕራበንን እዚ ድማ ውጹእ ናይ ጽልኢ ምስዋር ስራሕ ምዃኑን እቲ ውሳነ ኣመልኪቱ።
ብዘይካዚ ፌይስቡክ እውን ጆሹዋ ንሓንቲ “ብ ኣጋንንቲ እተጠቕዐት” ሰበይቲ እናጸፍዐ “ከገላግላ” ዘርኢ ስእሊ ካብ ገጻቱ ከም ዝእለ ጌሩ’ሎ።
እቲ ሰባኻይ ንዩትዩብ ክኸሶም ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።
TB Joshua ኣብ ዩትዩብ 1.8 ሚልዮን ሰዓብቲ ከም ዘለዉዎን ዓበይቲ ፖለቲከኛታት ኣፍሪቃ ሓዊስካ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ከም ዝከታተልዎን ይፍለጥ።