ንዘመናት ዝጸንሐ ሃገር ኣቋራጭ ውድድር ምንሽርታት በረድ (skiing) “ቫሳሎፔት” ትማል ሰንበት ተኻዪዱ። ኣብዚ ውድድር ኣስታት
15,800 ተወዳደርቲ ይሳተፉ’ለዉ።
ወራስ ዓራት ጒስታቭ ቫሳ ቅድሚ 500 ዓመታት ካብ ምርኮ ደንማርክ ንምህዳም ብዳላርማ ኣቢሉ 90 ኪሎሚትር ዝሽፍን
ምንሽርታት በረድ ምክያዱ ብ ኣፈታሪኽ ይዝንቶ እዩ። በዚ ድማ እዚ ውድድር ኣካል ታሪኽ ሽወደን ተጌሩ ከም ዝውሰድ በዓልቲ
መዚ ፕረስ “ቫሳሎፔት” ካሚላ ሳንዲ ስዋረን ኣመልኪታ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ቫሳሎፔት ነዚ ውድድር ሓዊስካ ኣስታት 50,000 ኣፍቀርቲ ምንሽርታት በረድ ከም እትስሕብ ካሚላ ወሲኻ
ገሊጻ’ላ።